Home ዜና ካብ ትግራይ ክሳብ የመን ዝተዘርግሐ ዘይሕጋዊ መሓውር ደላሎ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ...

ካብ ትግራይ ክሳብ የመን ዝተዘርግሐ ዘይሕጋዊ መሓውር ደላሎ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ከም ዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

529
0

ካብ ትግራይ ክሳብ የመን ዝተዘርግሐ ዘይሕጋዊ መሓውር ደላሎ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ከም ዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ስባጋድስ ኣብ ዙርያ ዘይሕጋዊ ስደትን ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋን ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከም ዝሓበርዎ ዘይሕጋዊ ስደት መንእሰይ ትግራይ ኣታሓሳሳቢ እናኾነን ሃለዋቶም ናብ ሓደጋ የእቱ ከምዘሎን ገሊፆም።

ዘይሕጋዉያን ደለልቲ ኣብ ትግራይ ካብ ቁሸት ክሳብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዝተዘርገሐ መሓዉስ ተጠቒሞም ኣብ መናእሰይ ዘለዉ ግዝያዊ ፀገማት ተበሊፆም ብርክት ዝበለ ቁፅሪ መናእሰይ ክስደድን ናብ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ክቃልዕን ይገብሩ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

እቶም ህይወት መናእሰይ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ሃፍቲ ንምኽዕባት ዝሰርሑ ዘለዉ ሕልና ኣልቦ ዘይሕጋውያን ደለልቲ ዝህብዎም ዘይጭቡጥ ተስፋ ስራሕ ስእነት፣ኩናት ዘስዐቦም ፀገማት፣ብወገን መንግስቲ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘሎ ቱኽረት ምንኣስ ከም መንቀሊታት ስደት ምዃኖም ዝገለፁ ኣይተ ሓዱሽ ካብ ስድራ ቤት ጀሚሩ እስካብ መንግስታዊ ኣካል ዘለዉ ኣካላት ንመናእሰይ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ኣለሚዑ ንዓርሱን ዓዱን ዝልውጠሉ ባይታ ክፍጠር ድማ ፀዊዖም።

ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ንምናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ዘጋጥምዎ ዘለው ብድሆታት ዘላቒ መፍትሒ ንምቕማጥን ብዕቱብነት ይሰርሕ ከም ዘሎ እዉን እቶም ሓሊፊ ቢሮ ኣፍሊጦም።

ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዘይሕጋዊ ስደትን ኣብ ህይወት መናእሰይ ትግራይ ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋታት ኣድሂቡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ምስ ዝነበሩ ተጋሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣብዚ ሐዚ እዋን መናእሰይ ትግራይ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ በረኻታት ራጎን ካልኦት ከባቢታትን ኣደዳ ሞትን ሕማምን ይኾና ብምህላወን ብወገን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነዚ ዘይሕጋዊ ስደት ጠጠዉ ኣብ ምባል ብዕቱብ ክረባረቡ ኣተሓሳሲቦም ኢዮም።

ገ/መስቀል ኪሮስ

Previous article“45 ሚልየን ብር ሓገዝ ካብ ሱዑዲ ዓረብ ነበርቲ ሪያድ “
Next articleሓገዝ ማሕበር 70 እንደርታ ስዊዘርላንድ