Home ዜና ክልከላ ጉዕዞ ስፓኛዊት ፓውላ ጊል

ክልከላ ጉዕዞ ስፓኛዊት ፓውላ ጊል

1000
0

ስፓኛዊት ፓውላ ጊል ትባሃል፡፡ፕረዚደንት ዶብ ኣልቦ ሓካይም #ስፔን ኤም ኤስ ኤፍ ኮይና ቅድሚ 6 መዓልታት እያ ናብ #ኢትዮጵያ ኣትያ፡፡

ብዛዕባ ኩነታት እቶም ዓሚ 16 ሰነ ኣብ ከባቢ #ተንቤን ብዕጡቓት ዝተቐተሉ 3 ኣባላት እቲ ገባሪ ሰናይ ከተፃሪ እያ መፂኣ፡፡

እቶም ማርያ ሄርናንደዝ ማታስ፣ ቴድሮስ ገብረማርያም ገብረሚካኤልን ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ዝተባሃሉ ኣባላት ኤም ኤስ ኤፍ ብመን ተቐቲሎም፣ ንምንታይ ዕላማ ዝብሉን ካልኦትን ዘይተመለሱ ሕቶታት መልሲ ንምርካብን ንስድራ ግዳያት ንምፅንዕናዕን ዓሊማ እያ ተበጊሳ ነይራ፡፡

እንተኾነ ኣብዚ ናይ ሓደ ሰሙን ፃኒሒታ ግና ምስ ሰበ-ስልጣናት ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ክትዛተ ዝነበራ ተስፋ ቂሂሙ ኣዝዩ ኣብ ልዕሊ ምሕዛና  ናብ #ትግራይ ምብፃሕ ከተካይድ ንዝነበራ መደብ እውን ከምዝተኸልከለት ዕላዊ ገይራ፡፡ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ ትካላ ንሰኮንድ እውን እንተኾነ ዘልሓጥ ከምዘይብል ኣስሚራትሉ፡፡

ኣብ #ኣሜሪካ ዝመደበሩ ጉኑን ጋዜጣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ብመሰረት ኣካይደዮ ዝበሎ ቃለ-መሕተት ቅትለት ናይዞም 3 ገበርቲ ሰናይ ብትእዛዝ ሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ብዑጥቓት ወተሃደራት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተቐተሉ ምቕልሑ ይዝከር፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleሓንካሪ ተግባራት ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ
Next articleቃሎም ዝሃቡ ሓመድ ፈሲስዎም፡፡