Home ዜና ክሕደት ዉልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ክሕደት ዉልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

768
0

ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጋዳላይ ትግራይን ኤርትራን ንሓበራዊ ፀላኢ ደርጊ ንምጥፋእ ብርክት ዝበሉ ሓበራዊ ቓልሲ ኣካይዱ እዩ፡፡

ብ1974 ዓ.ም ደርጊ ትግራይ ንምድህሳስ ኤርትራ ንምድምሳስ ኢሉ ወፍሪ ቐይሕ ኮኾብ 6 ወራር ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ካብ ተጋደልቲ ህወሓት ሰለስተ ብርጌድ ክሳብ ሳሕል ዘሊቐን ነቲ ዘይንካእ ዝመስል ሽሾ ሰራዊት ደርጊ ብምድምሳስ ሓርነት #ኤርትራ ኣብ ምርግጋፅ ታሪኽ ዘይርሰዖ መስተንክራዊ ጀግንነት ተፈፂሙ እዩ ፡፡  

ኣብ ዉግእ ሳሕልን ናቕፋን ኢሉ እዉን ብ1975 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ሰላሕታ ወራር ተኳሽሖም ኣካሎም ዝገበሩ ተጋደልቲ ገ/ምካኤል ሃይለ፣ ሃይለ ወ/ትንሳኤን ሓዱሽ ሽፈራውን ኣብቲ እዋን ደርጊ ኣብ ጎዳጉዲ ሰሓል ተቐርቂሩ ንዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ግንባር ኤርታራ ክውሕጦም ምስ በለ ሰራዊት ትግራይ ከም በዓል ብርሽዋ ዝበሉ ሙሩፃት ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ከፊሉ ኣድሒንዎም እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንሓርነት ኤርትራ ክብል ኣንፃር ደርጊ ኣብ በረኻታት ሳሕል ፣ ናቕፋን ካልኦትን ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ተጋደልቲ ኤርትራ እዉን “ ወያነ እንተዘይትረድአና ካብ ጎዳጉዲ ሳሕል ብህይወት ኣይምተረፍናን“ ክብሉ ብኣንደበቶም ዘረጋገፅዎ ሓቂ ኔሩ፡፡

ይኹን እምበር ካብ ብንጉሆኡ ንቕንዕና ዘይተፈጠረ ዉልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ 1977 ዓ.ም ህዝቢ ትግራይ ብዘጋጠሞ ድርቅን ወራር ደርግን ናብ ሱዳን ኣብ ዝስደደሉ እዋን መንገዲ ዓፅዩ ብጥሜትን ዓፀቦን ክረግፍ ፈሪድሉ እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ዘይናይኢዱ ተፈድዩ፡፡

ሐዚ እዉን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ተቓሊሱ ምስ ዝሳዓሮም ታሪኻዊ ፀላእቱን ገበቲ  ሓይልታትን  ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ ምስ ኣምሓራ ይትረፍ ሓቢርካ ክትሰርሕ ሓቢርካ ምልማን እዉን ኣይከኣልን ” ኢሉ ምስ ዝፅየፎም ዝነበረ ተላፊኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዒ ፈፂሙን እንዳፈፀመን ይርከብ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ከቢድ ክሕደት እዩ ክብሉ እቶም ተጋደልቲ ተዛሪቦም፡፡

ሐዚ እዉን እንተኾነ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ናፅነት ኤርትራ ዘይዋገ መርገፂ እዩ ዘለዎ ዝበሉ እቶም ተጋደልቲ ስለ ዝኾነ ድማ  እቲ ንዘመናት ዝፀንሐ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስን ህዝቢ ኤርትራ ንባዕሉ ካብ ዘላኣለማዊ ባርነት ንምልቓቕን ኣብ ዉሽጥን ደገን ጀሚርዎ ዘሎ ቃልሲ ኣንፃር ስርዓት ዉልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ ኢሎም

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleThe economist ፋሽስቱ የአብይ ቡድን በኢትዮጵያ ለጋዜጣው የሚዘግበውን ጋዜጠኛ ቶም ጋርድነርን በ48 ሰዓታት ውስጥ ከኢትዮጵያ እንዲባረር የወሰደው እርምጃ ተቀባይነት እንደሌለው አስታወቀ፡፡
Next articleስዕረት ፎርማጆ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዘነፃፀረ መድፍዕሓዱሽ መሪሕነት ሶማሊያ፤ ንለውጢ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካ ወሳኒ ምዃኑ ብሉምበርግ ፀብፂቡ፡፡