Home ዜና ክሕደት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ

ክሕደት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ቀደም ኮነ ሎሚ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ከሓደ እዩ፡፡ ---- ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ 1977 ዓ/ም ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ከይረክብ ብምክልኻል ዝፈፀሞ ክሕደት ከይኣክል ሎሚ እውን ምስ ኣሃዳውያንን ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ግንባር ፈጢሩ ህዝቢ ትግራይ ብጥይትን ጥሜትን ክረግፍ ዝሰርሕ ዘሎ ፀሊም ስርዓት ከምዝኾነ ካብ ወረዳ ፀገዴ ተመዛቢሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተዓቆበ ጉድእ ኩናት ነበር ተጋዳላይ ገረንችአል ሕሸ ገሊፁ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንኩሎም ፀገማት ሰጊሩ ብዓወት መሰስ ከምዝብል ድማ ተጋዳላይ ገረንችአል ሓቢሩ፡፡ ተጋዳልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ማዕርነት ብሄር-ብሄረሰባት ንምርግጋፅ ሕገ-መንግስቲ ስርዓት ንምትካልን ሕልፊ መስዋእቲ ከፊሎም ንዝሓለፉ ዒስራን ሸውዓተ ዓመታት ቅለጡፍ ዕቤት ተረጋገፀ ዝተረጋገአት ሃገር ብምህናፅ ዘኩርዕ ታሪክ ሰሪሖም እዮም፡፡ እዚ ታሪክ መስዋእቲ ተካሒዱ ሎሚ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታትን ኣሃዳውያን ሕዱር ቂም ንዘለዎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዕዳን ዘርኢ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝተተለመን ዝተዋደደን ግፍዕታት ይፍፅሙ ኣለው፡፡ ካብቶም ሰለባ እቲ ግፍዒ ዝኮኑ ነባሪ ወረዳ ፀገዴ ህዝቢ ጣብያ ወርዒ ተጋዳላይ ገረንቸኤል ሕሸ ህዝቢ ኢትዮፐያ ካብ ወፅዓ ባርነት ንምንጋፍ ተጋዲሉ ናይ ልቡ ዝገበረ ሻዕብያ ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኑ ሓገዝ እንትሓትት ኣብ በረከታት ስሑል ተካሺሑ ነቲ ጠላም ኢሳያስ ካብ ሞት ዘድሐነ ፣ ንነፃነት ኢትዮፕያ ኤርትራን ኣካሉ ዝገበረን ብሌን ኣዕንቱ ዝሰኣነ ነባር ተጋዳላይ እዩ፡፡ ሻዕብያ ኣብ በረኻታት ስሑል ብደርጊ ተከቢቡ ኣብ መዋጥር እንትኣቱ ተጋዳላይ ህወሓት ንሓገዝ ኣፍ ሞት ኣርክብ ተባሂሉ ብዝገርም ብቅዓትን ጅግንነትን ክባታት ብምፍንፃሕ ደርጊ ብምድምሳስነ ሻዕብያ ዳግም ክወለድ ክቡር መቁሰልትን መስዋእትን ኣብ ዝኸፈሉ ደቂ ትግራይ ሓደ ከም ዝኾነ እዩ ተጋዳላይ ገረንቸኤል ዝገልፅ፡፡ ሻዕብያ መንገዲ ምስ ዓፀወ ኣብ 1977 ዓ.ም ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ንምሕላፍ ኣብ ባዕከር ዝተገበረ ውግእ ቆሲላ ብርሃን ዓይነይ ሲኢነ ዝበለ ተጋዳላይ ገረንቸኤል ሻዕብያ እቲ ክሕደት ሕዚ ዝጀመርዎ እንተይኮነስ ምስ ደርግን ደርቅን ሓቢሩ ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ከይረክብን ናብ ሱዑዲን ከይስደድ ብምዕጋት ብሕማምን ሞትን ክረግፍ ዝፈረደ ጠላም ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም ዝኾነ ሓቢሩ፡፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሎሚ ድማ ምስቶም ደመኛታት ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ዝኾነ ኣሃዳውያንን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታትን ተሻሪኹ ተወሳኺ ክሕደትን ግፍዕን ብምፍፃም ክንዲ ምሳን ካሕስን ተጋደልቲ ጉድኣት ኩናት ንዓመታት ዘጥረዮ ሃፍትን ጥሪትን ብምውራርን ብምፍንቃልን ንከቢድ ዓፀባ ክሳጣሕ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ተጋዳላይ ገረንቸኤል ገሊፁ፡፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስ ደመኛታት ህዝቢ ኤርትራ ግንባር ፈጢሩ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ይገብሮ ዘሎ ልፍንታዊ ወራርን ግፍዕን ንህዝቢ ትግራይ ከም ዘየንበርክኾን ብሓድነታዊ ቅልፅሙ ንኩሎም ፀገማት ብምስጋር መክ ኣመሉ ታሪክ ክስርሕ እዩ ኢሉ፡፡ ብጎይተኦም ተኸስተ

1137
0
Previous articleብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣትው ኣለዎ—-ሴናተራት ኣሜሪካ
Next articleሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ሰራዊት ትግራይ ዕንቅፋት ይኸውን ከም ዘሎ ብምምሳል ዝቐርብ ክሲ መሰረት የብሉን—–ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ