Home ዜና ክብሪ እኖታታ ዝሰኣነት ኣዶ

ክብሪ እኖታታ ዝሰኣነት ኣዶ

1305
0

ስላም ንኹሉ ፍጡር ኣድላይ እዩ፡፡ ሰላም ዝሓረሞ ኣካል ባና ሰላም እንትሰምዕ ተስፍኡ ንኹሎም ሕሰማቱ ዓብሊሉ ቃንዝኡ የህድአሉ። ጥቅምቲ 23/ 2015 ዓ.ም ዝተበሰረ ውዕሊ ሰላም ንንእስቲ ገነት ተጠምቀ ቃንዝኣ ዘህሰሰላ ህሞት ፈጢሩ እዩ።  ገነት ተጠምቀ ካብ ወረዳ ፀገዴ ተመዛቢላ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ተምቤን ዓብይ-ዓዲ ተዓቚባ ዘላ ንእስቲ እያ። እዛ ንእስቲ እትነበረሉ ኣብ ቤት  ትም/ቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ብምዃኑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝትበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ዝኾነ ሓበሬታ ከይሰምዐት እንከላ እያ ፅባሕ እቲ ህዝቢ ትግራይ ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዝነበረ ዘተ ሰላም ዕላዊ ዝኾነሉ እዋን ሕማም ሕርሲ ዝተትሓዘት። ካብ ማዕኸናት ዜና ሓበሬታ ሒዘን ናብ ገነት ዝመፃ ካልኦት ተመዛበልቲ እቲ ብስራት ምስነገርኣ ግና ብታሕጓስን ብተስፋን ዝነበረ ቃንዝኣ ከምዝሃደመን ብሰላም ከምዝተገላገለትን ትዛረብ። ንዓመታት ዝሰኣንናዮን ሰላም ክንረክብ ተስፋ ዘንበረልና ብስራት ኣብ ዝሰማዕኩሉ ዕለት ዝተወለደ ፈላማይ ውሉደይ “ ሰላማዊ” ኢለ ክስይሞ እየ እዉን ትብል እዛ በኳር ኣዶ።

ካብ መላእ ቤተሰባ ተፈልያ በይና ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ክትወልድ ዝተገደደት እዛ ንእስቲ፣ ከምንቡር ከም ኣዴታት ክንክን ክትረክብስ ይትረፍ ብኣግባቡ ዘዋልዳ ዓበይቲ እኳ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ወኪል ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝኾኑ ተላዘብቲ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ተረኺቦም ኣብዝዝትይሉ እዋን ከተማ ዓብይ-ዓዲ ብኸበድቲ ኣፅዋር ትድብደበ ነይራ። እዚ ስዒቡ ድማ ነባሪ እታ ከተማ ይኹን ተመዛበልቲ ካብ ደብዳብ ንምምላጥ ምስወፅኡ መብዛሕቲኦም ኣይተመለሱን ነይሮም።። ንእስቲ ገነት እውን ብስርዓቱ ከዋልዳ ዝኽእላ ኣዴታት ክትረክብ ኮነ ፀይሩ ናብ ጥዕና ጣብያ ክወስድ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። እቲ ደብዳም ምስተረጋግአ ቀልጢፈን ዝተመለሳ ብዙሕ ልምዲ ዘይብለን ንኡሳን ከምዘዋለድኣን ከምዝተኸናኸንኣን እያ ድማ ትዝክር ንእስቲ ገነት።

ኣብዝሓለፉ እዋናት ነብሰፆር ኣዴታት ፍሉይን ግቡእን ክትትል ሕክምናን መድሓኒትን ዝወሃበን ዝነበረ እንትኾን ገነት ተጠምቀ ግን እቲ ዕድል ክትረኽቦ ኣይከኣለትን። ዋላ እውን ኣብቲ ተመዛቢላ ዝመፅአትሉ ከባቢ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ሙሉእ ብሙሉእ ክበሃል ብዝኽእል መልክዑ ዓንየንን ተጓሒለንን እየን። መድሓኒት ኮነ ኣምቡላንስ የብለንን። ስለዚ ድማ ንእስቲ ገነት ቅድሚ ወሊድ ኮነ ድሕሪ ወሊድ ካብ ግልጋሎት ምኽርን ማዕዳን ብዝዘለለ ካልእ ሕክምናዊ ድጋፍ ክትረክብ ከምዘይከኣለት ሓቢራ።

ብርህሩህነት ፈጣሪ ብዘይፀገም ተገላጊለ ኢላ ደጋጊማ ንፈጣሪኣ እተምስግን እዛ ብኳር ኣዶ፣ ሕቛኣ መደልደሊ፣ ዝፈሰሰ መተክኢ ዝኸዉን ምግብስ ክትረክብ ይትረፍ እቲ ገና  ኣዕይንቱ እኳ ቋሕ ከብል ዘይከኣለ ሰላማዊ ቁሪ ክከላኸል ዘኽእል ጨርቂ እኳ ኣይረኸበትን። ንእሽተይ ረቃቕ ናይ ቴንዳ ምንፃፍን ሓንቲ ንነብሰይ ዝበለ ሰብ ዝለገሰላ ረቃቕ ኮበርታን ጥራሕ ተነፂፋ ኣብ ስሚንቶ እያ ተደቅሶ።

ንእስቲ ገነት እቲ ኣብ እዋን ሕርሳ ዝሰምዐቶ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብቕልጡፍ ፍረ ኣፍርዩ እቲ ከም ነብሰፆርን ከም ሓራስን ክትረኽቦ ዘይከኣለት ግልጋሎት ሕዚ ከም ኣዶ ክትረኽቦ፣ ውሉዳን ባዕላን ግቡእ ክታበትን ክትትልን ክረኽቡን ናብ ንቡር ህይወታ ክትምለስን ተስፋ ኣሕዲሩላ ኣሎ። እቲ ምእንተ ህዝቡ ክቃለስ ንበረኻ ዝወፀ ሰብኣያ ብሰላም ክምለስ፣ እቶም ብሓይልታት ፅንተት ኣብ ዳንሻ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣቦኣ ብህይወት ክትረኽቦምን ናብ ፀገዴ ተመሊሳ ምስ ሰለማዊ ወዳን ካልኦት ስድርኣን ምዉቕ ህይወት ክህልዋ እዉን ብተስፋ ትፅበ ኣላ።

#ብተስፋዝጊ ዓስበይ

Previous articleብሕማም ሽኮር ንዝተጠቕዐ ህፃን
Next articleጉድእቲ ኣካል ህፃን