Home ዜና ክትባት ፀረ ቫይረስ ኮረና

ክትባት ፀረ ቫይረስ ኮረና

1139
0

ኣብ ዝሓለፉ 11 መዓልትታት ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 129 ሽሕ ሰባት ክትባት ፀረ ቫይረስ ኮረና ከምዝወሰዱ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት፣ ስእነት ሕክምናን መድሓኒትን ንኽሃልቕ ኣብ ዝፈረድሉ እዋን፣ መመርመሪ ናውቲ ኣብ ዝዓነወሉ በታ ዘላ ንእሽቶ ዓቕሚ ኣብ ከባቢ 13 ሽሕ ሰባት ጥራሕ ምርምራ ኮቪድ 19 ከምዝተገበረን 87 ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ርእየ ኢሳያስ ሓቢሮም።

ዶ/ር ርእየ ኢሳያስ

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ካብዘለዎ ክቱር ድሌት ብዝተልዓለ ብናሃቱ ፍቓድ ኮነ ድልየት ክታበት ክህብ ከምዘይኽእል ዝሓበሩ ዶ/ር ርእየ፣ እዚ ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ብውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዩኒሴፍን ካልኦት መዳርግቲ ኣካልት ብምትሕብባር ንህዝቢ ትግራይ ዝተውሃበ ሓገዝ ምዃኑ ብምግላፅ ሕብረተሰብና ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ክሓድሮ ከምዘይግባእ ኣረጋጊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቫይረስ ኮሮና ስግኣት ዓለም ካብ ምዃን እናወፅአ ከምዘሎ ሰብ ሞያ ሕክምና ይዛረቡ። እዚ ዝኾነሉ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ብርክት ዝበሉ ፀረ ቫይረስ ኮሮና ክትባታት ይውሰዱ ብምህላዎም እዩ። እዚ ናብ ትግራይ መፂኡ ዘሎ ክትባት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ሰባት ብገንዘብ ገዚኦም ክኽተቡ ዝርኣየሉ ኩነታት ከምዘሎ ዝሓበሩ ዶ/ር ርእየ፣ ሕብረተሰብና ጎና ጎኒ እቶም ቅድሚ ሕዚ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ መከላኸሊ መንገድታት ብተወሳኺ እዚ ክታበት ዝወሰደ ሰብ ብቐሊሉ ነቲ ቫይረስ ከምዘይቃላዕን እንተተታሒዙ እውን ብቐሊሉ ከይጎድኦ ልክዕ ከም ሰዓል ኮይኑ ንኽሓልፈሉ ከምዘኽእሎን ኣብሪሆም።

ተወከልቲ ዉድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ብወገኖም ኣብቲ ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮረና ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝውዛዕ ዘሎ ዝተጋገየ ሓበሬታ ሕብረተሰብ ብኣግባቡ ከይጥቀመሉ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ሓቢሮም።  ነቲ ዝተረኸበ ዕድል ብምጥቃም ብኮቪድ-19 ክበፅሕ ካብ ዝኽእል ጉድኣት ምክልኻል ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ከምዝኾነ ተፈሊጡ ሕ/ሰብና ካብ ጌጋ ርድኢታት ክርሕቕን ዝተዛብዐ ሓበሬታ ካብ ምግዋሕ ክቁጠብን ይግባእ እዉን ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ 11 መዓልትታት ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 129 ሽሕ ሰባት ነቲ ክትባት ወሲዶም ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ ድማ ኣብተን መዓልትታት ተበፃሒ ንክግበር ተባሂሉ ካብ ዝተተለመ 62% ከምዝኾነ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ከም ሓበሬታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ እዚ ብብርኪ ወፍሪ ብሓምለ 4/2014 ዓ/ም ኣብ መቐለ ዝተጀመረ ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮሮና  ሓምለ 18/2014 ዓ/ም ክዛዘም እዩ።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ

Previous articleዝጥሕል ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያ
Next articleሰልፊ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ኣውሮፓ