Home ማሕበራዊ ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ

600
0

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ጀኖሳይድ ንዝምልከቶም ኣካል ኣብ ምቅላሕን መረዳእታ ኣብ ምሃብን ኩሉ ሕብረተሰብ ክሳተፍ ከምዝግባእ ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ኣፍሊጡ ፡፡

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ  ፋሸስታውያን ወረርቲ ዕድመ ፣ ፆታን ሃይማኖትን ከይፈለዩ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝፈፀምዎን ዝፍፅምዎ ዘለዉን  ግፍዒን በደልን ፣ ንብረትን ታርኻዊ ቅርስታትን ትግራይ ንምዕናው ዝፈፀምዎን ዝፍፅምዎ ዘለዉን  ገበን ንምስናድን ንዝምልከቶ ኣካል ንምቅላሕን ይሰርሕ ከምዘሎ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ የማነ ዘርኣይ ገሊፆም ፡፡

እቲ ኮሚሽን ዛጊድ ኣብ ዝገበሮም ዳህሳስ ፀላእቲ ብፍሉይ ኮነ ኢሎም ዝፈፀምዎ ጀኖሳይድ ብምዃኑ ንምግላፁ ዘፀግሙን ኣብ ዓለም ተራእዮም ዘይፈለጡን ግፍዕታት ኣብ ትግራይ ተፈፅሙ ይርከብ ክብሉ ኮሚሽነር የማነ ዘርኣይ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኮሚሽን መፅናዕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ተግባራት ጀኖሳይድን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ መፅናዕትን ምስናድ መረዳእታን  ኩሉ ሕብረተሰብ ንዝምልከቶም ኣካል መረዳእታ ኣብ ምሃብ እጃሙ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም፡፡

 ብበላይ ሽፈራው

Previous articleጅምላዊ ማእሰርቲ ደቂ ትግራይ
Next articleምስዋርን ምእሳርን ኤርትራውያን ስደተኛታት