Home ዜና ኮንፈረንስ ምጥያሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ኮንፈረንስ ምጥያሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ

789
0

ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምጥያሽ ኣብ ከተማ መቐለ ኮንፈ ረንስ ይሳለጥ ኣሎ ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ሰራዊት ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝፈላለዩ ውደባታትን ክፋላት ሕብረተሰብን ተዓዲሞም ኣለው።

ብምሰረት መርሀ ግብሪ እቲ ኮንፈረንስ ፈለማ ብኣካቢ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ መኽፈቲ መደረ ምስቀረበ ነቲ ኮንፈረንስ ዝመርሑ ኣባላት ፕረዚድየም ብኮንፈረንሰኛታት ክሕረዩ እዮም። ስዒቡ ነቲ ከይዲ ኮንፈረንስ ዝምልከት ሰነድ ክቐርብ እዩ።

ኣብዚ ሰነድ ምይይጥ ምስተገበረ ሰነድ ምጥያሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር እውን ንተሳተፍቲ ብንባብ ቀሪቡ ምይይጥ ክግበረሉ እዩ። ውሳነ ዘድልዮም ሓሳባት ተፈልዮም ብድምፂ ክውሰኑ እዮም። ድሕሪ እዚ፣ ሰነድ ኣወዳድባን ክፍፍል ስልጣንን ብንባብ ቀሪቡ ምይይጥ ምስተገበረ ውሰነ ዘድልዮም ጉዳያት ተፈልዮም ውሳነ ብምሃብ መጠቓላሊ ሓሳብ ብፕረዚድየም ቀሪቡ ፅባሕ ዕለት 23/06/2015 ዓ/ም ክዛዘም እዩ።

Previous article
Next articleፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትርያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ተረኺቡ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ኩሉ ብዕቱብ ክሕልዎ ፀዊዖም።