Home ዜና ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን

ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን

809
0

ከም ሓዱሽ ተጀሚሩ ብዘሎ ኲናት ኣብ መላእ ትግራይን ኣብ ውሱን ክፋላት ዓፋርን ኣምሓራን ኩሎም ሰብኣዊ ግልጋሎታት ከም ዝተዓገቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ፡፡  ሕብረት ኣውሮፓ ብግዲኡ፤ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኲናት ንዝተጎድኡ ከባቢታት ሓገዝ ከቕርቡ ክፍቀደሎምን፤ ኲናት ደው ኢሉ ብሰላማዊ ዘተ መዕለቢ ክርክብን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ ኣብ ፅላል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይነን ኣብ መላእ ትግራይን ውሱን ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ክንቀሳቐሳ ዝፀንሓ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ገደብ ከም ዝተገበረለንን፤ ብሰንኪ ኲናተ ይሳቐ ንዘሎ ህዝቢ ክበፅሓሉ ከም ዘይከኣላን ሓቢሮም፡፡

ብውሱን መልክዑ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝፀንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ መድሕን ህይወትን ምንቅስቓስ ፋይናንስን ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ትግራይ ከይበፅሑ ምኽልካሎም ዘዘኻኸሩ ስቴፈን ዱጃሪክ፤ ካብ ነሓሰ 19/2014 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ኩነታት እናተጋደደ ይኸይድ ምህላዉ ሓቢሮም፡፡

ሓላፊ ምክልኻል ቅልውላው ኣውሮፓ ጃኔት ሌናርቺች ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ከም ብሓዱሽ ተወሊዑ ዘሎ ደማዊ ኲናት ልዕሊ 13 ሚልዮን ህዝቢ ተፀባይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ጌርዎ ምህላዉ ኣመላኺቶም፡፡

ኢትዮጵያ ድሕሪ ድርቂ 1977 ዓ.ም ገጢምዋ ዘይፈልጥ ምዝባዕ ቁጠባን ድርቂን ገጢምዋ ምህላዉ ዝጠቐሰ መግለፂ ሕብረት ኣውሮፓ፤ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝጋደድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ህፁፅ ምላሽ ዘድልዮ ብምዃኑ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብነፃነት ንኽንቀሳቐሳ ክፍቀደለን ይግባእ ኢሉ፡፡

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣውነት ከም ዝተጥሓሰ ዘመላኸተ መግለፂ ሕብረት ኣውሮፓ፤ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኲናት ንዝተጎድኡ ኣካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርባ ክፍቀደለን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣዊነት ብምጥሓስ ንዝተፈፀሙን ንዝፍፀሙ ዘለዉን ተግባራት ኣምሪሩ ዝኾነነ መግለፂ ሕብረት ኣውሮፓ፤ ብሰንኪ ደማዊ ኲናት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን፤ ኲናት ደው ኢሉ  ዘተ ሰላም ብህፁፅ ክጅመር ይግባእ ኢሉ፡፡

ሓላፊ ምክልኻል ቅልውላው ኣውሮፓ ጃኔት ሌናርቺች ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዑደት ድሕሪ ምግባሮም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝኸልከሎም ግልጋሎታት ብህፁፅ ክኽፈቱ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር፡፡

ገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleዜና ዓወት – 21 መስከረም 2015 ዓ/ም
Next articleመግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ