Home ዜና ኲናት ሱዳን ንምዕራፍ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ

ኲናት ሱዳን ንምዕራፍ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ

621
0

ግጭት ሱዳን ንምፍታሕ ሓዱሽ መፍትሒ ሓሳብ ከም ዘዳለወ ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ፡፡ ካውንስል ፀጥታን ድሕንነትን ኣፍሪካ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ንዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክህልዎ መፍትሒ ሓሳብ ኣቕሪቡ፡፡ እቲ ካውንስል ንዘቕረቦ እማመ ዝተቐበለ ሕብረት ኣፍሪካ ብግዲኡ፤ ኣብ ግጭት ዘለዉ ኣካላት ፍልልዮም ኣፅቢቦም ዘላቒ ተኹሲ ደው ምባል ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ካውንስል ፀጥታን ድሕንንትን 20 ጉንበት 2015 ዓ.ም ኣብ ዘቕረቦ እማመ ሰላም፤ ኣብ ሱዳን ዘላቒ ተኹሲ ደው ምባል ክብፃሕ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይ ዕንቅፋት ንኹሎም ተፀበይቲ ሓገዝ ክባፃሕ ዘኽእል ኮይኑ፤ ክልቲኦም ተናሓናሕቲ ሓይሊታት ፍልልዮም ብዘተ ሰላም ክፈትሑ መንገዲ ዘጣጥሕ እዩ ክብል ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ፡፡

ተኹሲ ብቕልጡፍ ደው ኢሉ ፍልልያት ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክረክብ ዝጠልብ እማመ-ሰላም ካውንስል ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ፤ ሓቛፋይን ኩሉ ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ዘተ ንኽጅመር ብክልቲኡ ወገን ኣብ ውግእ ዘለዉ ወታደራዊ ሓለፍቲ ሱዳን፣ ውድባት ፖለቲካ እታ ሃገር፣ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝሳተፍሉ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ /ኢጋድ/፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዃን ኣብ መወዳእታ ከብፅሕዎ ትፅቢት ዝግበረሉ እማመ ሰላም፤ ኣብ ሱዳን ኣሳታፋይ ፖለቲካዊ ስግግር ንኽህሉ መንገዲ ዝፀርግ ምዃኑ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ትርጉም ዘይብሉን ዘይፍትሓዊን ምዃኑ ዝጠቐሰ መግለፂ ካውስል ፀጥታን ድሕንነትን ኣፍሪካ፤ ኵነታት ብኸምዙይ እንተቐፂሉ እታ ሃገር ክትወፆ ናብ ዘይትኽእል ሓደጋ ክትሳጣሕ ምዃና ብምጥቃስ፤ ክልቲኦም ኣካላት ነቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ሓሳብ ተቐቢሎም ፍልልዮም ብሰላም ክፈትሑ ፀዊዑ፡፡

ክልተ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ሓዊሱ ዓበይቲ ከተማታት ንኸቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ዘሳጠሐ ኮይኑ ዜጋታት ብርክት ዝበላ ሃገራት ንናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣገዲድዎም ኣሎ፡፡ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዝርከቡ ትግራዊያን፤ መረበቶም ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ኤርትራን ብምህላውን፤ ብሰንኪ ኲናት ሱዳን ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርበሎም ኣካል ስኢኖም ኣለዉ፡፡ ኣብ እዋን ጭንቀቶም መፅለሊት ዝኾነቶም ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተሰደዱ ተጋሩ፤ ሱዳን ንባዕላ ኣብ ከቢድ ፀገም ስለ ዝኣተወት ኣብ ከቢድ ጭንቀት ምህላዎምን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣት ትግራይ ወፅዮም ስደተኛታት ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ መፀዋዕታ ኣብ ምቕራብ ይርከቡ፡፡ ብገብረእግዚኣብሔር ሃይሉ

Previous articleኣብ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ምፅራይ ሓበሬታ ብምሃብ ህዝቢ ክሳተፍ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ፀዊዑ።
Next articleድምፂ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ