Home ዜና ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ክልል ኦሮምያ ቀልጢፎም ይውፅኡ -ኦፌኮ

ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ክልል ኦሮምያ ቀልጢፎም ይውፅኡ -ኦፌኮ

1164
0

ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ኦሮምያ ዘካይድዎ ዘለዉ ወራር ጠጠው ከብሉን ካብቲ ክልል ክወፁን ፀዊዑ፡፡ኦፌኮ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ዝኣወጆ ኲናት ብምቁራፅ ናብ ልዝብ ክመፅእ ከምዘለዎን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘካይድዎ ዘለዉ ወራር ጠጠው ከብሉን ካብቲ ክልል ክወፁን ፀዊዑ፡፡እቲ ውድብ ተፃባእቲ ሓይልታት ቶክሲ ጠጠው ከብሉን ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክመፁን ተደጋጋሚ መፀዋዕታ እናገበረ ከምዝመፀ ብምሕባር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብሓዱሽ መልክዕ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ዝኣዎጆ ኲናት ብምቁራፅ ናብ ድርድር ክመፅእን ኣተሓሳሲቡ ክብል ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ፡፡

ኦፌኮ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝኣወጆ ኲናት ተስፋ ዝተገበረሉ ዘተ ሰላም ዘህስስን ንክልል ኦሮምያ ብሓፈሻ ድማ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ምብትታት ዘእቱ እምበር ዘላቒ ሰላም ዘምፅእ ከምዘይኮነ ገሊፁ፡፡ኣብ መዋስንቲ ክልል ኦሮምያ ዝተፈላለዩ ጎንፅታት እናተጋደዱ ይመፁ ከም ዘለዉ ዝሓበረ ፀብፃብ ኦፈኮ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ዝተዓጠቑ ሓይልታት ኣምሓራ ብዝተፈላለዩ ሸነካት ናብቲ ክልል ብሓይሊ ጥሒሶም ብምእታው ኲናት ብምእዋጅ መሬት ኣብ ምውራርን ዜጋታት ኣብ ምምዝባልን ተወፊሮም ከም ዝርከቡ ገሊፁ፡፡

ሓይልታት ኣምሓራ ንፁሃን ዜጋታት ብምቕታል ፤ሓረስቶት ካብ መረበቶም ብምምዝባል ነቲ ክልል ናብ ዘየቋርፅ ኲናት እናእትውዎ ይርከቡ ኢሉ መግለፂ ኦፌኮ፡፡ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ቅንብቢት ልዕሊ 280 ሄክታር መሬት ከምኡ እውን ናብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ፌንታሌ ብሓይሊ ጥሒሱ ብምእታው ንመሬት ከረዩን ኤቱን ብሓይሊ ብምውራር ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ከምዝነበረ ኣምሲሉ ዝተፈላለዩ ታፔላታት ብምትካል መሬት ብምውራራ ግዝኣታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ከም ዝርከብ ብምሕባር እዚ ተግባሩ ብህፁፅ ጠጠው ከብሎ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብፅርይቲ ሓረጎት

Previous article“ሕዚ ኣነ ንልደተይ ውህብቶ ባንቡላ ኣይደልን ኣነ ኣብ ዓደይ ትግራይ ብዓፀባ ዝሳቐ ዘሎ ህዝበይ በሊዑ ክፀግብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዘ ክገብረሉ እየ ዝደሊ” ሓንቲ ኣብ ኣሜሪካ እትነበር ትግረወይቲ ህፃን፡፡
Next articleምስዋር መረዳታ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ