Home ዜና ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ክወፁ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ መንጐኛታትን ክሰርሑ...

ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ክወፁ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ መንጐኛታትን ክሰርሑ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ተጋሩ ፀዊዑ።

547
0

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ተጋሩ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ መንጐኛታትን ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ሕገ መንግስታዊ ሉዓላዊ ግዝኣታት ትግራይ ብህፁፅ ከዉፅኡዎም ኣተሓሳሲቡ።

ህላወ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ትግራይ፤ ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ጂኤስቲኤስ ኣስሚሩሉ ።እቲ ማሕበር ነዚ ዝፀወዐ ንቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ መደርግቲ ኣካላትን ከምኡ እውን ንፍሉይ ልኡኻት ኣሜሪከን ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዝፀሓፎ ዕላዊ ደብዳቤ እዩ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕሊ ኣብ ተግባራውነቱ እናተኸታተለ ከምዝመፀን ዛጊድ ብዙሓት ስራሕቲ እውን ከምዝተሰርሑን ኣመልኪቱ።

እንተኾነ ግን ጉጅለ ክትትልን ቁፅፅርን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ምውራድ ዕጥቂ ጎና ጎኒ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ንክወፁ ዝተውሃቦ ዕዮን ሓላፍነትን ከምዘይፈፀመ እቲ ማሕበር ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ገሊፁ።

ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ሕዚ እውን ኣብ መሬት ትግራይ ኾይኖም ህዝቢ የጋፍዑን መንገድታት ይዓፅዩን ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ማሕበር ስለዝኾነ ብዘይ ቅድመ ኩነት ብቕልጡፍ ክወፁ፤ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንዘይስሩዓት ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ይህቦም ዘለዉ ስልጠናታት ጠጠው ከብል ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ንክወስድ ንዝምልከቶም ኣካላት ብዕሊ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

Previous articleስነ-ስርዓት ርኽክብ ትራክተራት
Next articleሓገዝ ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ