Home ዜና ወርቂ ንትግራይ

ወርቂ ንትግራይ

1230
0

——-

ኣብ ሰሜን #ጣልያን ነባሪት ከተማ #ሚላኖ ዝኾና ወይዘሮ ሓረጉ ወለገሪማ 40 ግራም መናጅር ወርቂ ሽልማተን ንሳልሳይ መኸተ ወራር #ትግራይ ኣበርኪተን።

ወይዘሮ ሓረጉ ወለገሪማ “ትግራይ ዓደይ ሓራ ከይወፀት ሽልማት አየድልየንን” ብምባል እየን 40 ግራም መናጅር ወርቀን ሎምቕነ ንትግራይ ዘወፈየኦ።

ወይዘሮ ሓረጉ ወለገሪማ ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ቅድሚ 45 ዓመት ኣብ ጣልያን እንትምስረት ካብ ሞንጎ መስራቲትን ውርይቲ ተቓላሲትን ዝነበራ ዀይነን ሕዝ’ውን ብጉልበተንን ገንዘበንን ዘይተሓለለ ተጋድሎ ኣብ ምክያድ ዝርከባ እየን።

ወይዘሮ ሓረጉ ወለገሪማ ካፍቲ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ጀሚረን ክሳብ’ዛ ሎሚ ዕለት ከይተሓለላ ንትግራይ ዓደን ቅድሚት ናይ ዝስለፋ ዘለዋ ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ጣልያን መርኣያ ፅንዓት ከምዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓ መኸተ ወራር ትግራይ ገሊፀን።

ብሚኪኤለ ምናሰ ካብ ኣውሮፓ

Previous article“ሰራዊትን መራሕትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ካብ ተሓታትነት ኣየምልጡን” ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ
Next articleግደ ዳያስፖራ ኣብ ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ