Home ማሕበራዊ ወያነ ፀላኢና ብዝብል ጉልባብ ተሓቢኡ ዝፀንሐ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ፀላኢ ህዘቢ ኤርትራ...

ወያነ ፀላኢና ብዝብል ጉልባብ ተሓቢኡ ዝፀንሐ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ፀላኢ ህዘቢ ኤርትራ እዩ – ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ

701
0

ኤርትራ ብድሌት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እትውነን፤ ኣብ ድላዩ ዕዳጋ ኣውሪዱ ዝሸጣን ዝልውጣን ብምዃኑ፤ ንናፅነት ኤርትራ ደው ዝበለ ኣካል ብሙሉኡ ኣንፃር ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክቃለስን፣ ሰራዊት ኤርትራ ሞት ይኣኽለኒ ክብልን መስራቲ ቴሌቪዥን ኣሰና ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ ፀዊዑ፡፡ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ ኤርትራዊያንን ዲያስፖራ ትግራይን ሓበራዊ ዋዕላ ዘካይድ ዘሎ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፤ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተሃኒፁ ፅልእን ቅርሕንቲን ደው ክብልን ሕውነታዊ ርክብ ክልቲኡ ህዝቢታት ናብ ንቡር ተመሊሱ ንሓበራዊ ረብሐኦም ሓበራዊ ቃልሲ ክገብሩን ፃውዒት ጌሩ፡፡

ቀንዲ ፀላኢ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጥራይ ዘይኮነስ ሉእላዊነት ሃገር ንጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ክምኡ ድማ ነቶም ለይትን ቀትርን ኣብ ባሕሪን መሬትን ኤርትራ ጥራይ ዘምባሁቑ ተደመርቲ ሓይሊታት ኣሕሊፉ ዝሃበ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣማኒኤል ኢያሱ፤ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ዝዓተሮ ናፅነት ከይተረፈ ንታሪኻዊ ፀላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣሕሊፈ ከም ዝሃቦ ተዛሪቡ፡፡ብሽም ምድማር ሉእላዊነት ኤርትራ ንታሪኻዊያን ፀላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ተመሓላሊፉ ምሃቡ፤ ዋላ ሓደ ኣባል ካቢኔ ኤርትራ እኳ ሕቶ ከልዕል ዘይምኽኣሉ እቲ ሰርዓት ንባህጊ ናፅነት ኤርትራ ራሕሪሑ ንቒምን ቅርሕንቲን ዘቐድም ፕሮፓጋንዳ ሕሶት የሰጉም ምህላዉ ዝገለፀ ኣማኒኤል ኢያሱ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኤርትራዊያንነ ተጋሩን ይገብሮ ዘሎ ዘተ እውን ኣካል ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ሓቢሩ፡፡ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገፀ ናፅነትን ሉእላዊነትን፤ ብሰንኪ ዓንዳሪ ተግባራት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፤ ካብ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ወፃኢ ይኸውን ምህላዉን መሬት ኤርትራ ጥሬይ ነፃ ኮይኑ ህዝቢ ብስርዓት ህግደፍን መወልቱን ጀሆ ተታሒዙ ኣሎ ዝበለ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል፤ ምስ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ዝግበር ዘሎ ሸበድበድ ድማ ነታ ኣላ ክትበሃል ዝፀንሐት ናፃ መሬት እውን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዋ ምህላዉ ሓቢሩ፡፡ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፤ ኣብ ጊላታት ህግደፍ ዝፀንሑ ሓይሊታት ከይተረፉ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ናብ ሸንፈለል ኣትዮም ኣለዉ ዝበለ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ፤ ወያነ ፀላኢና ብዝብል ጉልባብ ተሓቢኡ ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ቀንዲ ፀላኢ ህዘቢ ኤርትራ ባዕሉ ምዃኑ ኣብ ኣደባባያት ከም ዝተረጋገፀ ጠቒሱ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleሽልማት ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
Next articleስዕረት መሓመድ ፋርማጆ