Home ዜና ወጥሪ ኢትዮጵያን ሱዳንን

ወጥሪ ኢትዮጵያን ሱዳንን

1353
0

ሱዳን ናይ ዝተቐተልዋ ዕጡቓት ሕነ ንምፍዳይ ስራሕ ምጅማራ ራዲዮ ጀርመን ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ኣርማጭሆ ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ ደብዳብ ዝጀመረት ሱዳን፤ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተቐተልዋ ወታደራት ሕነ ናይ ምፍዳይ ስራሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓረስቶት እቲ ከባቢ ንራዲዮ ጀርመን ገሊፆም፡፡

ካብ  ሰነ 15/2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘስግእ ኩነታት ተፈጢሩ ምህላዉ ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ይፅብፅባ ኣለዋ፡፡ ሱዳን ናብ መሬታ ኣትዮም ጥቕዓት ብዝፈፀሙ ሓይሊታት ኢትዮጵያ ኣዝያ ከም ዝተቖጠዐትን ጀነራል ኣልቡርሃን ናብቲ ከባቢ ዑደት ከም ዝገበሩን ድማ ሱና ዝተብሃለ ቴሌቪዥን ሱዳን ፀብፂቡ፡፡

ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክፍኑ ዝፀንሐ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤  ሰነ 21/2014 ዓ.ም ብመንገዲ ወሃቢ ቃል እቲ ስዑር ሰራዊት ጌትነት ኣዳነ ኣቢሉ ንሚዲያታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፤ ሱዳን ዘቕረበቶ ሓሳብ ሓሶት እዩ ክብል ክሒድዎ፡፡

ሱዳን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ኣብ መሬታ ኣትዮም መጥቃዕቲ ብምፍፃም ን 7 ዜጋታትን ሰራዊትን ሒዞም ብምቕታል ኣብ መሬት ከም ዝዘርግሕዎም ብምግላፅ፤ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ፀዊዓ መብርሂ ክህብ ከም ዝገበረቶ ዝተፈላለያ ሚዲያታት ክፅብፅባ ፀኒሐን እየን፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleፀላእቲ ዘባህረረን ዘሰንበደን ወፍሪ ኣሉላ
Next articleመተኣኻኸቢ እቶት መኸተ ትግራይ