Home ዜና ወፍሪ ምትኻል ፈልሲ

ወፍሪ ምትኻል ፈልሲ

895
0

ዝበረሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ንምትካእ ሕብረተሰብ ኣብ ወፍሪ ምትኻል ፈልሲ ተሳትፎኡ ከበርኽ ይግባእ፡፡

ብወረርቲ ሓይሊታት ዝበረሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ንምትካእ ሕብረተሰብ ኣብ ወፍሪ ምትኻል ፈልሲ ተሳትፎኡ ከበርኽ ከምዝግባእ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብሞያ ልምዓት ደኒን ገሊፆም፡፡

ኣብ ከተማ መቐለ ደብረ መዓዛ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ‑ ክርስትያን መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብሞያ ልምዓት ደኒን ኣብ ዝተረኸብሉ ወፍሪ ምትኻል ፈልሲ ተሳልጡ፡፡ ኣብቲ ዝተሳለጠ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተረኸቡ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ መቐለ ብፁእ ኣቡነ ኢሳያስ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ብልምዓት ንምትካእ ሕብረተሰብ ኣብ ምትኻል ፈልሲ ተሳትፎኡ ከበርኽ ፃውዒት ኣቕርቦም፡፡

ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ከቢድ ብርሰት ከምዝፈፀሙ ዝሓበሩ ኣብቲ ወፍሪ ምትኻል ፈልሲ ዝተሳተፉ ወገናት ብግደኦም ንትግራይ ዘለና ፍቅሪን ክብሪን እንገልፀሉ ዝበረሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብልምዓት ምትካእ እንተክኢልና እዩ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝሰርሖም ስራሕቲ ሩእይ ለውጢ ከምፅእ ክኢሉ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ በዓል ሞያ ልምዓት ደኒ ኣይተ ገብሩ ኢያሱ ብወገኖም  ብወረርቲ ሓይልታት ዝበረሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ንምትካእ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ውሕሉል ተመክሮ ተጠቂሙ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብትኹረት ክሰርሕ ኣተሓሳስቦም፡፡

ብታደለ ዳኘው

Previous articleሰናይ ተግባር ዲያስፖራ ትግራይ
Next articleኣዋጅ እቶ እቶ ኣብ ከተማ ጋምቤላ