Home ዜና ወፍሪ ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ትግራይ 4ይ ክፋል

ወፍሪ ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ትግራይ 4ይ ክፋል

1201
0

ህዝቢ ትግራይ ናብ ደቡብ ገፁ ብዘማዕደወ ቁፅሪ ተደላይነቱ እናወሰኸ፤ ዓቕምታቱ እማተዳኸመ ምምፅኡ ካብ ዘመነ ኣኹሱም ጀሚሩ ዝተርኣዩ ሓቂታት እኹላት እዮም፡፡ ኣብ ዘመነ ንግስነት ኣኹሱም ናብ ሮሃ ዝተገበረ መውስቦ ስዒቡ ዓቕሚ-መሪሕነት ናብ ሮሃ ክዘውር ምኽንያት ኮይኑ እዩ፡፡ ብሕሶትን ነበረያነረን ንግስነት ሽዋ ምጥያሹ ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ተሳትፉኡ ክዳኸም ዝገበረ ኾይኑ፤ ኣብ ልዕሊ ተኸሲሶም ናብ ሽዋ ዝኸዱ ምሁራት ትግራይ ብዝወረደ ፈላማይ ጀኖሳይድ ትግራይ ንኸይትለዓል ከም ዝተቐጥቀጠት መዛግብቲ ታረኽ ሰኒደምዎ ኣለዉ፡፡ ክብርን መንነትናን ኣሕሊፍና ብዝሃብና ቁፅሪ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ኣደራዕ የብቅዕ፣ ክብርናን መንነትናን ወኒንና ክንነብር ኣብ መበቆላዊ ቦታና ዝግለፅ ንግስነትን መንነትን ክነጣይሽ ይግባእ ብዝብል በብእዋኑ ዝተልዓሉ ሕቶታት ክሳብ ሕዚ እኹል መልሲ ኣይረኸቡን፡፡ የግዳስ እዞም ሕቶታት ብዝተልዓሉ ቁፅሪ ኣብ ንግስነት ደቡብ ራዕዲን ድንጋፀን እናፈጠሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ እናተፈፀሙ መፅዮም እዮም፡፡ ብዘይካ ትግራይ ስልጣኑ ኣብ ድልዱል መሰረት ክነብር ኣይኽእልን ዝብል እምነት ዘሕደረ ሓይሊ ትምክሕቲ፤ ፍትሓዊ ሕቶ ትግራይ ብምስዓር ጥራይ ዘይኮነስ፤ ሱር መሰረት ትግራይ ከዳኽምን መንነቱ ከረስዑን ዝኽእሉ ጨፍጫፋት ብምፍፃም ምዃኑ ዘገርም እዩ፡፡

 4ይ ጀኖሳይድ ትግራይ ምስቶም ቅድሚኡ ዝተፈፀሙ ተግባራት ትምክሕቲ እንትነፃፀር፤ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዝተፈፀመ፣ ብሰንኪ  ዓለም ለኸ መራኸቢታትን ዲፕሎማሲያዊ ልምዲ ህዝቢ ትግራይ ዘይምህላው እንበር፤ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳዊያን ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ዝተተግበረ ብምዃኑ፤ ጉዳይ ትግራይ እውን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ብገበን ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሰይድ) ዝረኣየሉ ዕድል ሰፊሕ ኔሩ፡፡ ኣብ ዘበነ ንግስነት ዘርኣ ያቆብ /ድበፀር (ዝብኢ) ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስ ዝነበሩ ፈለስቲ ዝተፈፀመ 1ይ ጀኖሳይድ ጀሚርካ ክሳብ 4 ዙር ዝተፈፀሙ ገበናት ዝተፈላለዩ ኣተገባብራታት እኳ እንተነበሮም፤ 4 ጀኖሳይድ ብኣይሮፕላናትን እንግሊዛዊያን ኣማኸርቲ ኵናትን ዝተሓገዘ ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ከም ገበነኛ ጌሩ ዝቖፀረሉ፣ ካብ ሰማይ ሓዊ ምውራዱ ድማ ምስ ፈጣሪ ዝሾሞ መራሒ ብምውገአይ ፈጣሪ ተቖጢዑ ካብ ሰማይ ሓዊ ኣውሪዱለይ ብምባል ዝተናሰሐሉ እዋን ኰይኑ ሓሊፉ፡፡

መበገሲ 4 ጀኖሳይድ ትግራይ ካብቶም ሕሉፋት 3 ዙራት ብዙሕ ዝፍለየሉ ምኽንያት የብሉን፡፡ ምኽንያቱ ፍልፍል እቲ ጀኖሳይድ ኣብ መንጎ ኣይግዛእን፣ መሰለይን መንነተይን ኣሕሊፈ ኣይህብን ዝበለ ህዝቢ ትግራዋይን፤ ትግራይ ርእሳ እንተቕኒዓ ንግስነተይ ሙሉእ ኮይኑ ክቕፅል ኣይኽእልን ብምባል ኲናት ዝኣወጀ ሃይለስላሰን ዝተኻየደ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ወራር ጥልያን ንምምካት ንበይኑ ዘካየዶ 7 ኣዋርሕ ዝወደአ ውግእ ብሒም ከይበለ ፀኒሑ ኣብ መበል 8 ወርሒ ኣብ ማይጨው ተረኺቡ ስእሊ ብምስኣል ዓዲ ራሕሪሑ ናብ እንግሊዝ ኮብሊሉ ዝፀንሐ ሃይለስላሰ፤ ሓገዝ መንስቲ እንግሊዝን ዓወት ኣላይድ ሓይሊታትን ተበሊፁ መሊሱ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሕዱር ቂሙ ክትግብር ጀሚሩ፡፡ ከይዲ ኣፈፃፅማ 4 ጀኖሳይድ ምስ 3 ጀኖሳይድ ትግራይ ኣዚዩ ዝመሳሰል፣ ህዝቢ ትግራይ መሊሱ ከምዙይ ዓይነት ሕቶ ከየልዕል ክንብርከኽ፣  ስቡሕ መሬት ትግራይ ቆራሪስካ ብምውሳድ ከም ህዝቢ ኣብ ውሱን ቦታታት ጥራይ ተሓፂሩ ዓርሰይ ኣይክእልን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሉ ኢድ ሓይሊታት ትምክሕቲ እናማዕደወ ክነብር ዝዓለመ እውን እዩ፡፡

ፕሮፌሰር ጆንያንግ ምኽንያት ቃልሲ 17 ዓመት ህዝቢ ትግራይ ንምግላፅ “Tigrai peasant Rebellion (ዓመፅ ሓረስቶት ትግራይ)” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝፀሓፎ መፅሓፍ፤ ኣብ 1950ታት ኣብ ኢድ ሕድሕድ ገባር ትግራይ ዝተረፈ ዝሕረስ መሬት ካብ 0.50 ሄክታር ኣብ ምብራቕ ክሳብ 1.5 ሄክታር ኣብ ከባቢ ሽረ ምትራፉን ህዝቢ ትግራይ ንኸርፋሕ ናብራ ከም ዝተጋለፀን የማላኽት፡፡ እዙይ ማለት ውድቀት 1 ወያነ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ካብ ኢድ ተጋሩ ዝሕረስ መሬት ተመንጢሉ ንተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ብምሃብ ዝተገለፀን እውን እዩ ኔሩ፡፡ ቃልሲ 1ይ ወያነ ትግራይ ካፍቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ተባራዕቲ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ፍልይ ኢሉ ዝተርኣየሉ መንገዲ፤ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰላማዊያን ሕቶታት ገምጊሙ መሰሉን ረብሕኡን ብሓይሊ ንምርግጋፅ ቅሉዕ ኲናት ወዲቡ ዝተንቀሳቐሰ እኳ እንተኾነ፤ ስእነት ፖለቲካዊ ብቕዓትን፣ ተንኮልን ሽርሕን ሽዋዊያንን ተወሲኽዎ ዓወት ካብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ ዘምለጠትሉ ኩነታት ንዕዘብ፡፡

ቃልሲ 1ወያነ ትግራይ ሓደ ንጉሳዊ ወይ ድማ ቤተሰባዊ ሕቶ ንምምላስ ዝተልዓለ ዘይኮነስ መሪሕነቱን መፃኢ ዕድላትን ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ዝተወደበ፤ ኣብ ትግራይ ርትዕን ፍትሒን ነጊሱ መሰል ዓርሰውሰነ ትግራይ ክረጋገፅ ዝተሃንደሰ ኣዚዩ ሰጓማይ ሕቶ እዩ፡፡ ትግራይ ንዘመናት ስኢናቶም ፀኒሓ ኣብ ዘመነ ንግስነት ሃፀይ ዮሃንስ ብልጭ ኢሎም ዝጠፍኡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ልዕልና መሊሳ ክትጭብጥ ዘኽእል ኮይኑ ዝተወደበ እቲ ቃልሲ፤ ስነ ልቦና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደ ኣተሓሳስባ ክውደብ፣ ማዕርነታዊ ሓድነቱን ብራኽኡን ዝረጋገፀሎም ኣሰራርሓታት ንምትእትታው ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ሕርሕራይ ፍፃመታት ዘዕረፈን መሪሕነቱ ብዴሞክራሲያዊ ኣግባብ ብምምራፅ መላእ ትግራዋይ ዘሳተፈን እውን እዩ፡፡

ፃምእ ሓርነትን ዴሞክራሲያዊ ሓድነትን ጥራይ ተዓጢቖም፤ ስሉጥ መራኸቢታት፣ ምሁር ሓይሊ፣ ወታደራዊን ዴፕሎማሲያዊን ከምኡ ድማ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ልምዲን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፤ ብሓረስቶት ትግራይ ጥራሕ ዝተመስረተ 1 ወያነ፤ ኣብ ውሽጢ ውሱን ኣዋርሕ ጥራይ ካብ ኣለውሃ ክሳብ ከባቢታት ኣኹሱምን 70 ዳሞን ተባፂሑ፡፡ ዕላማ እቲ ቃልሲ ከምቲ ድሕሪ ስርዓት ጥልያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ሽፍትነት ዘይኮነስ ተወዲቡ ብሄራዊ ረብሕኡ ንምርግጋፅ ዝንቀሳቐስ ተባራዓይ ኔይሩ፡፡ ስርዓት ሃይለስላሰ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ  ከም ታራ ዓመፅ ብምርኣይ ጉዳይን ብውሑድ ሓይሊ ሰራዊት ክበታተን ዝኽእን ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝረአ ምስ ድሌት ስልጣን ውልቀሰባት ዝተሓሓዝን ጌሩ እኳ እንተሓሰቦ፤ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ግን ኣብ ስርዓት ሃይለስላሰ ዝወረደ ከቢድ ግብሪን ቅፅዓትን ንምቅላል ጥራይ ዘይኮነስ ፤ ብምንሊኽ ዝተወሰዱ መሬት ምምላስን ምስ ውድቀት ንግስነት ኣኹሱም¸ተተሓሒዞም ናብ ሽዋ ዝተወሰዱ መግለፂ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ክብሪታት፣ ፖለቲካዊ ማእኸልነትን እውን ዝሓውስ ኮይኑ ተረኺቡ፡፡

ቃልሲ 1ይ ወያነ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝተወጠነን፤ ኣብ ውሱን ቦታታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ንመላእ ትግራይ ክባፃሕ ብመደብ ዝምራሕ ምዃኑ፤ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ስዒቦም ኣብ ትግራይ ዝተኸሰቱ ሕማማት ጨለውታን ጉልሓይን፣ ምስዋርን ምንግልታዕን ዓበይቲ ዓዲ ትግራይ፣ ምምላስ ፖለቲካ፣ ቁጠባዊን ሃይማኖታዊን ማእኸልነት ትግራይ ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ሓዊሱ ምስራዝ ውዕል ውጫለን ምምስራት ሓድነታዊ ቃልሲ ኤርትራን ትግራይን ዝጠልብ ብምዃኑ፤ ራዕዲን ድንጋፀን ሃይለስላሰ ሰማይ ዓሪጉ፡፡ ኣብ መንጎ 4 ራእሲታት ትግራይን ምንሊክን ዝተገበረ ኣስገዳድ ስምምዕነት ኣዲስ ኣበባ 28 ሰነ 1886 ተሰሪዙ፤ ኣብ መንጎ ራእሲታት ተሰማ ኣስመሮም፣ ባህታ ሓጎስ፣ ራእሲ ወልደሚካኤል ሶሎሞንን ደገዝማቲ ሰንጋልን ምስ ራእሲታት ትግራይ ጌረምዎ ዝፀንሑ ስምምዕነት መረብ 1884 ክሕደስ ዝጠልብ እዩ፡፡ እዞም ሕቶታት ኣዚዮም ሓደገኛታትን ቃልሲ ትግራይ ትግርኚ ኣጠናኺርካ ኣድላይነት ሽዋ ምንኣስን እዮም፡፡

ግዝኣት መረብ ምላሽ ካብ ባዳዊ መግዛእቲ ንምውፃእን ጥልያን ናብ ግዝኣት ትግራይ ከይኣቱን ንምክልኻል ምስ ስርዓት ምንሊክ ክመኻኸሩ  ናብ ሽዋ ዝኣተዉ ራእሲታት ትግራይ፤ ብለዋህነት ኣብ ምንጋጋ ሓርገፅ ምእታዎም ዘረጋገፁ ምንሊክ፤ ሰነድ ኣዳሊዮም ኩሎም ራእሲታት ክፍርምሉ ብምግባር ውዕሊ 28 ሰነ 1886 ዓም ክብል ሰይምዎ፡፡ እዞም ዝተፈረሙ ጉዳያት፤

     1. ኣብ ትሕቲ ራእሲ ሓጎስ ክመሓደር ካብ ዝፀንሐ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ   ፀለምቲን ካልኦትን ሓዊሱ ኣካል ግዝኣት እቴጌ ጣይቱ ክኸውን፣

     2. ንልዕሊ 1600 ዓመታት ብኑብረኢድ ክምራሕ ዝፀንሐ ምሕደራ ቅድስቲ ከተማን ማርያም ፅዮንን ኣኹሱም ተሪፉ ብቐጠታ ብሹመት ምንሊክ ክመሓደር፣

3. መንግስታዊ እቶት ትግራይ ብቐጠታ ናብ ካዝና ንጉሰ ነገስት ክኣቲ፣

4. መሰል ጉልቲ እቴጌ ዘውዲቱ ኣብ እንደርታ ክረጋገፅ ዝብሉ ኣዚዮም ሓደገኛታት እኳ እንተነበሩ፤ ሓደ ሻዕ ኣብ ኢድ ምንሊክ ዝኣተዉ ራእሲታት ትግራይ ካብ ምፍራም ወፃኢ ካሊእ መማረፂ እውን ኣይነበሮምን፡፡  

 ካብ ድሌትን ልምዲን ትግራይ ወፃኢ ብምንሊክ ተሸይሙ ኣኹሱም ዝኣተወ ፈላማይ ኑብረኢድ ወልደጂወርግስ፤ ሀ ኢሉ ዝጀመሮ ተግባር፤ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ክተኣታቶ፤ ስብከት፣ ቅደሴን ውዳሴን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ክፍፀም ዘገድድ ፅዕንቶ ኔሩ፡፡ ነዚ ስዒቡ ጥንታዊያን ሓድጊታት ትግራይ ብሰሜን ብባዕዳዊት ጥልያን ብደቡብ ብምንሊክ ተጓሕጒሑ፡፡

 ካብ ንግስነት ይኩኖ ኣምላክ ክሳብ ሃይለስላሰ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተደራረቡ ኣደራዓት ተማሒዮም ዓርስና ብዓርስና ነመሓድር ዝብል ኣመተ ቀዳማይ ወያነ፤ ኣመሰራርትኡ ዴሞክራሲያዊ፣ ኣተሓሳስብኡ ሰጓሚ፣ ብሩህ መፃኢ ዕድል ትግራይ ዝጥምት ኔሩ፡፡ መራሕቲ ትግራይ ንምንታይ በብእዋኑ ብሽዋዊያን ይእሰሩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ዝተንተነ ቃልሲ ወያነ ትግራይ፤ እዚ ሕቶ ግና ውልቀ ሹመኛታት ትግራይ ንምንጋስ ወይ ድማ እዞም ሾመኛታት ልዕሊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ጌርካ ንምጉላህ ኣይኮነን፡፡ የግዳስ ትግባር ሽዋዊያን መራሕቲ ትግራይ ብምብትታን ንመሰሉ ዝሓትት ህዝቢ ከይህሉ ዝዓለመ ኣዝዩ ሓፈገኛ ተግባር ምዃኑ ተስማዕሚዐምሉ፡፡ እቲ ተግባር ምስ ምፅናት መሪሕነት ትግራይ ዘይኮነስ ኣካል ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ማሕዩር ራእሲ ኣሉላ 1887 ክሳብ 1888፣ ራእሲ መንገሻ ክሳብ ሕልፈቶም ኣብ ኣንኮበር ምእሳሮም፣ ደግዝማቲ ኣብርሃ ኣርኣያ (ኣባ ዝናብ) ሰላሌ ኣብ ዝርከብ ሽንኩርት ዝበሃል በዓቲ ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅናሕ ብልጅ ኢያሱ ምፍተሖም፣ ኣባ ይላቅ ካሳ ስዩም (ወዲ ራእሲ ስዩም መንገሻ) ክሳብ ሕልፈቶም ኣብ ሰላሌ ምእሳሮም፣ ራእሲ ስዩም እውን ምስ ብዙሓት መራሕቲ ትግራይ ን7 ዓመታት ኣብ መዳጎኒ ካምፕ ኣዲስ ኣበባ (ጎፋ) ክሳቐዩ ምግባሮም ኣካል ምፅናት ትግራይ ምዃኖም ብኣቦ ገረባት ተዘትዩሎም፡፡ ሓፋሽ ትግራይ ንክለዓዓል እውን ተጠቒመሙሎም፡፡

ሽዋዊያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መሪሕነትን ትግራይ ዝገበርዎም ተደራረብቲ መጥቃዕቲታት ዘማረሮም መራሕቲ 1 ወያነ፤ ታሪኻዊን ፖለቲካዊን ውርሲታት ትግራይ ብጥሙር ቀላፅሞም ከረጋግፅዎ ዝኽእሉ ተወዲቦም ብምቅላስ ምዃኑ ተረዳዲኦም፡፡ “ዓርስና ብዓርስና  ንመሓደር!” ዝብል ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ብምልዓል ብሓረስቶት ወጀራት ሀ ኢሉ ዝጀመረ ቃልሲ፤ ኣብ ውሽጢ ውሱን ኣዋርሕ ኣብ መላእ ትግራይ ክባፃሕ ክኢሉ፡፡ ጉዳይ ትግራይ ካብ ቁፅፅሩ ንላዕሊ ይኸውን ምህላዉ ዝተረደአ ሃይለስላሰ፤ 2 መፍትሒ ኣንፈታት ብምንፃር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትገራይ ጥፍኣት ደጊሱ፡፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይ ቂምን ቅርሕንቲን ፈጢርካ ንሰንሳቱ ክዋዳእ ምግባር ብቐዳምነት ንምትግባር ተንቀሳቒሱ፡፡ ትልሚ ውግእ ብዝብል 13 ሰነ 1935 ኣብ ዝወፀ ሰነድ “ወጀራትን ራያ ዓዘቦን ንምጥቀዕ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ፤ ሰራዊት ምንግስቲ ብድሕሪት ብህዝቢ እንደርታ ከይጥቃዕ ንምግባር ህዝቢታት ወጀራትን እንደርታን ብኸባቢያዊ ምምሕዳራቱ ተመሪሑ ደም ክፋሰስ ኣለዎ” ይብል፡፡

ካፍቶም ብሃይለላሰ ዝተሾሙ 10 ኣመሓደርቲ ትግራይ ሓደ ዝኾኑ ራእሲ መንገሻ ስዩም፤ ሽርሒ ሽዋዊያን ኣቐዲሙ ስለ ዝተረደኦም ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ሕድሕድ ከይለዓል ዝከኣሎም ፃዕሪ ጌሮም፡፡ ተግባር ራእሲ ስዮም ደምነት ትግራይ ንምድሓን ዝለዓለ ታራ እኳ እንተነበሮ፤ ኣብ ምፍሻል ሽርሒ ሽዋዊያን ዝለዓለ ታራ ስለ ዝነበሮ ብሃይለስላሰ ከንፈር ተነኺስሎም፡፡ ብኣንፃሩ ከም በዓል ደገኣዝማቲ ኣባይ ዝኣምሰሉ ኣብ ትልሚ ሽዋዊያን ዝተፀመዱ ኣካላት ደም ተጋሩ በከንቱ ክፈስስ ልዑል ፃዕሪ ክገብሩ ተራእዮም፡፡ ምንቅስቓስ 1 ወያነ ካብ መሰረቱ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ትግራይ ዘሎ ፍልልይ ብሰላም ፈቲሕኻ ኣንፃር ሓበራዊ ፀላእቲ ደው ንምባል ዝዓለመ ብምዃኑ ፤ ተግባር ደገዝማቲ ኣባይን ካልኦትን ብሰላም ክውዳእ እኳ እንተፀዓሩ እቶም ልኡኽ ሃይለስላሰ ብመሰረቱ ደላይ ስልጣን ብምንባሮም ሰላማዊ ፃዕሪ ከም ዘይዕወት ደምዲሞም፡፡ ብምዃኑ ድማ እቲ ኩነታት ህዝባዊ ደምነት ብዘይፈጥር መልክዑ 15 ጉንበት 1935  ዓም ኣብ ገዘኦም ከቢብካ ክጥቅዑ ብምግባር ኣብ ቁፅፅር ወየንቲ ወዓሉ፡፡ ደገዝማቲ ኣባይ ካሕሳይ ካብ ማይ ነብሪ ናብ ዕስራዓዲ ቅድሚ ምንቃሎም እቲ ኲናት ኣብ ውሽጢ ማይ ነብሪ ክኸውን ብወየንቲ ወጀራት ዝተወሰደ ስጉምቲ፤ እቲ ኲናት ከይሰፍሕ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ሃንደበትነት እቲ ውግእ ብምጥቃም ልዑል ኣፅዋርን ሞራልን ክውንኑ በሪ ከፊቱ፡፡ ነቲ ልዑል ምድላዋት ክግበረሉ ዝፀንሐ ገዚፍ ኲናት ድማ ካሊእ ብራኸ ፈጢርሉ፡፡

ካብ ሽዋ ዝዘመተ ገዚፍ ሰራዊት ምስ ወየንቲ ትግራይ ፊት ንፊት ቅድሚ ምግጣሙ ኣብ መንጎ ተጋሩ ኲናት ተወሊዑ ክዳኸሙ ዝዓለመ ተንኮል ሽዋዊያን ብውሕሉል ስርሒት መራሕቲ ወያነ ምዝዛሙ ኣብ ልዕሊ ሃይለስላሰ ልዑል ስንባደ ካብ ምፍጣሩ  ብተወሳኺ፤ ወየንቲ ትግራይ ድማ ጊዜ ረኺቦም ክዳለዉ ዕድል ዝሃበ ኔሩ፡፡ ምቁፅፃር ደገዝማቲ ኣባይ ነቲ ካብ ዞብል ጀሚሩ ክሳብ እንባኣላጀን ጨርጨርን ብክልተ ሸነኻት ከጥቅዕ ዝወፈረ ክልተ ሽዋዊያን ዝመርሕዎ ሓይሊ ንስዕረት ኣቃሊዕዎ፡፡ ስርዓት ሃይለስላሰ ብግዲኡ ኣብ ልዑል ስንባደ ብምእታዉ ገዚፍ ሓይሊ ከዳሉ ተገዲዱ፡፡ “ትግራይን ራያን ንምጥቃዕ ዝተኣዘዘ ዝሰልጠነ ሰራዊት” ኣብ ዝብል ሰነድ ካብ ደሴ፣ ደብረብርሃን፣ ኣንቦ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ናዝሬት፣ ጂማን ሽዋን ዝተውፃእፅኡ 4 ሬጅመንትታት፣ 5 ቦጦሎኒታት፣ 4 ቦጦሎኒታት ሜካናይዝድ፣ 1 ሓይሊን 17 ዝተፈላለዩ መዓርጋት ዘለዎም ወታደራዊ መኮነናትን ናብ ትግራይ ዘሚቶም፡፡ እዚ ገዚፍ ሰራዊት ብቐጥታ ብሚኒስቴር ምክልኻል ራእሲ ኣበበ ኣረጋይ ክምራሕ ተጌሩ፡፡

ራእሲ ኣበበ ኣረጋይ ናብ ትግራይ ምንቅስቓስ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ ብ17 ኣዘዝተ ዝምራሕ ግዙፍ ሰራዊት፤ 34 ኮሎኔላት እንግሊዝ ዝምራሕ ካሊእ 3 ዙር ሰራዊት ሓቢርዎም ተልዓለ፡፡ ገዛኢ ወሎ ዝነበረ ኣልጋወራሽ ኣሰፋወሰን መኮነን ብግዲኡ፤ ንህዝቢ ወሎ መሬት ዘይብሉ ኣብ ትግራይ ዝረኸቦ መሬት ክውንን፣ መሬት ዘለዎ ድማ ዕዳ ግብሪ እቲ ዓመት ክስረዘሉ ብምባል ዘመሓላለፎ መምርሒ ስዒቡ መሬት፣ ሃፍትን ንብረትን ትግራይ ክወርር፣ ሰብ ዋና መሬት፣ ንብረትን ሃፍትን ትግራይ ክቐትልን ክዕምፅን ዝተዳለወ ገዚፍ ናይቲ እዋን ዘይስሩዕ ሰራዊት (ፋኖ) ለቖትኡ ሒዙ ተንቀሳቐሰ፡፡ ኣብ ወሎ ዝተዳለወ ሓይሊ ወታደራዊ ምድላው ዘይብሉ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ንብረትን ሰብኣዊ ክሳራን ትግራይ ዘነፃፀረ ድሑር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ብመልክዕ ሰፈራ ናብ ራያ ዝተዋፈረ ጀኖሳይደር ኮይኑ፤ ሰራዊት ዓቀይታይ ሃይለስላሰ ኣብ ዝፀረገሉ ቦታታት እናኣተወ ዝሰፍር፣ ብዘይተኸላኻላይ ዝተረፉ ሰላማዊያን ሰባት ኣጋፊዑ ኩለመነኦም ዝወርር፣ ዝዕምፅ ንብረትን ጥሪትን ዘቃፅል ኮይኑ፤ ቅድም ክብል ኣብ እዋን ራእሲ ሚካኤል፤ ድሒሩ ድማ ኣብ እዋን ልጅ ኢያሱ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ወሎን ትግራይን ዝነበረ ዝጠበቐ ርክብ ንምብታኽ ዝዓለመ እውን እዩ፡፡

ከምቲ ቅድሚ ምጅማር 5 ጀኖሳይደር ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ህፃናት ከይሞቱ፣ ኣዴታት ከይበኽያ ክብል ዝገለፀ፤ ካብ ሃይለስላሰ ዝወፀ ትእዛዝ ድማ ከምዚ ዝብል ኔሩ “ህዝቢ ትግራይ ክሓልፈሉ እናሰራሕና ኣብ እንርከበሉ፣ ፍቕርና ኣብ እንገልፀሉ እዋን፤ ህዝቢታት እንደርታ፣ እንዳሞኾኒ፣ ራያን ዓዘቦን ከምኡ ድማ ካልኦት ከባቢታት ስምዑ! ምኽርናን ትእዛዝናን ተሓሲሞም ኣብ ልዕሊ ሰራዊትናን ፈተውትና እንግሊዛውያንን መጥቃዕቲ ተፈፂሙ እዩ፡፡ ካብ ሀዚ ንደሓር ብኣይሮፕላንን እግረኛ ሰራዊትን ከቢድ መጥቃዕቲ ክንፍፅም ስለ ዝኾንና ምስ ዓመፅቲ ዝተፀጋዕኹም ባዕልኹም ኣድሕኑ” ዝብል ኔሩ፡፡ እዚ ህዝቢን ወየንቲን ትግራይ ንምፍልላይ ዝተፍሓሰ ተንኮል ሃይለስላሰ፤ ብኣይሮፕላናት እንግሊዝ ክብተን፣ ብመሓውር ቤተክህነት ድማ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ክንበብ ተጌሩ፡፡

ብኣዘዝቲ ሰራዊት ሃይለስላሰን እንግሊዛዊያን ኣማኸቱን ዝምራሕ ግዙፍ ሰራዊት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን ኤርትራን ዝፀንሐ ሓይሊ ተወሲኽዎ፤ ብኣይሮፕላናት እናተሓገዘ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምጭፍላቕን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ንምድካይን ዘሚቱ፡፡ ካብ ኣላጀ ክሳብ ውቕሮ ሓራ ወፅዩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ መሬት ትግራይ ብሰማይ ሓዊ ከዝንባሉ ጀሚረን፡፡ ኲናት ዝግበረሎም ግንባራት ዕዳጋ ሓሙስን ኣላጀን ጥራሕ እኳ እንተነበሩ፤ ህዝቢ ትግራይ ምሽባር ቁልፊ ዒላማ ዝገበረ ስርዓት ሃይለስላ ግና ኣብ ልዕሊ ደጀን ህዝቢ ቁምቡላታት ኣዝነበ፡፡ መቐለ፣ ሕናሎ፣ ጨርጨር፣ መኾኒን ጨለቖትን ሓዊሱ መብዛሕቲኡ ገፀራት ራያን እንደርታን ካብ ነፈርቲ ኲናት ብዝድረበ ሓዊ ተቓፀላ፡፡

ኣብ ወርሒ መስከረም 1936 ዓም ብዘይምቁራፅ ንክልተ ሰሙን ብተኸታታሊ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣይሮፕላን እንስሳ፣ ዘራእቲን ሰብን ከይፈለየ ከቢድ ዕንወት በፅሐ፡፡ ሸዊት ሓዚሉ ዝነበረ ገርሁ ፍረ ረሃፅ ሓረስታይ ትግራይ ኣዝዩ ተሃሰየ፡፡ እቶም ብጫ ተኸዲኖም መድገሚያን ምርኩስን ብመሓዝ መለኮታዊያን ዝመስሉ ሽርሒ ሽዋዊያን ዝተሰከሙ ካሊእ ዓይነት ወታደራት ሃይለስላሰ ኣብ ቤተክርስትያናትን ማሕበራትን እናተረኸቡ፤ “ፈጣሪ ብተግባርና ተቖጢዑ፡፡ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ስለ ዝዓመፅና ብሰማይ ሓዊ ክወርደና ጀሚሩ!” ዝብል ተንኮል ክሰብኩ ጀሚሮም፡፡ ብቤተ እምነት ኣቢሉ ፖለቲካ ክስበኸኒ እዩ ኢሉ ዘይተፀበየ ህዝቢ ትግራይ ብፈለስቲን ባሕታዊያንን ዝመፀ ኩሉ ኣሚኑ ብምቕባሉ ኣብ ስነልቦና ተቓለስቲ ትግራይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ፈጢሩ፡፡ ብዙሓት ወየንቲ ምስ ሰማያዊ ኣምላኾም ንዘይምጉናፅ ጥራይ ንናብ ገዘኦምን ኣቦ ነብሳቶምን ክውሕዙ ጀሚሮም፡፡

እቲ ወነን ብሄራዊ ሕራነን እንበር ካሊእ ሽርሒ ዘይተረድኦ በዓል ቅኑዕ ዒላማ ወያነ ትግራይ ብሽርሒን ተንኮልን ክዳኸም ጀሚሩ፡፡ ኣብ ኣላጀ ከቢድ ስዕረት ክገጥሞ ዝፀንሐ ብጀነራል ኣበበ ዳምጠውን ኮረኔል ጃጋማ ኬሎን እንግሊዛውያን ኣማኸርቶምን ዝምራሕ ደቡባዊ ግንባር ናብ መቐለ ገስገሰ፡፡ እቲ ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ምሕላፈ ተሳኢንዎ ዝፀንሐ ሰሜናዊ ግንባር ድማ ካብ ጉንበት 1935 ዓም ጀሚሩ ባይቶ ተኺላ ንዝኸረመት ከተማ ውቕሮ ተቐፃፀረ፡፡ ኣብ ዞብልን ቆቦን ክፍፀም ዝኸረመ ጀኖሳይድ ድማ ብሰፈርቲ ኣልጋወራሽ ኣሰፋ ወሰን ኣቢሉ ኣብ ሙሉእ ራያን እንደርታን ክፍፀም ጀመረ፡፡ ኣብ ገባር ዝግበር ወራር ከም ዘሎ ኾይኑ ብደረጃ መንግስቲ ተፈፀምቲ ዝኾኑ ትግባራት ድማ ሕጋዊ ሽፋን ክህቦ ተገበረ፡፡ መሬት ራያ ነቶም ሰፈርቲ ምእንቲ ክረጋገፀሎም ኣካል ወሎ ኮይኑ ክመሓደርን መንነት ትግራይን ትግራዋይነትን ካብ ኣለወሃ ጀሚሩ ክሕከኽ ተገበረ፡፡ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናይ ምምሃር ዕድል ረኺቦም ህዝቢ ከንቅሑ ዝኽእሉ ምሁራን ትግራይ፤ ብስድራ ወይ ብጅግንነት ምስ መሪሕነት ርክብ ዘለዎም ተወለድቲ ትግራይ ድማ ብሽም ምምሕዳራዊ ሹመት ካብ ትግራይ ተነቒሎም ካብ ህዝቦም ክፍለዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ብድሌት ሽዋ ክምራሕ ተወሰነሉ፡፡

ብምንሊክ ተጀሚሩ ክስረሐሉ ዝፀንሐ ትግራይ ናይ ምንኣስን ስነ ልቦና ትግራይ ናይ ምክፍፋልን ተግባር ን4 ጀኖሳይድ ትግራይ ስዒቡ ብሰፊሑ ተፈፃሚ ኮይኑ፡፡ ንዘመናት ሓራዊ ታሪኽ ዝነበሮ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ክልተ ክኽፈል ብምግባር ዝተጀመረ ተንኮል ሽዋዊያን ኣብ ንግስነት ሃይለስላሰ ብዝረቐቐ ኩነታት ክፍፀም ተገይሩ፡፡ ጥልያን ከፊትወን ዝፀንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕፃው ትግራይ ኣደንቊርካ ምምራሕ ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ሃይለስላሰ፤ ህዝቢ ትግራይ ንምጥማይ ድማ ብ1948ን 49 መሬት ደቡብ ትግራይን ምዕራብ ትግራይን ብሽም ምምሕዳራዊ ምችዉነት ናብ ወሎን ጎንደርን ክጉዘዩ ተገበረ፡፡ ህዝቢ ትግራይ በብእዋኑ ካብ ዝተፈጠሩ ቁጠባዊ ረብሓታት ከይጥቀም ድማ ዓቕሚ ዘለዎም ተጋሩ መንጢሎም ብምውሳድ ወይ ብምቕንፃል ህዝቢ ትግራይ መፃኢ ተስፋ ከይህልዎ ገይረዎ፡፡ 4ይ ጀኖሳይድ ትግራይ መሬትን መሪሕነትን ትግራይ ካብ ምምንማን ብተወሳኺ ኣብ ኣእሙሮ ህዝቢ ትግራይ ኣይክእልን ዝብል ሞራላዊ ውድቀት ዝፈጠረ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፡፡ እቲ ውደቀት ክመፅእ መራሕቲ ሃይማኖት ልዑል ታራ ዝተፃወቱ ኮይኖም እዞም መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ብሃይለስላሰ ዝተዋፈሩ ሓደገኛታት እዮም፡፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተደጎለ ሓዊ ዝጠፍአ ይመስል ብምባል ድሕሪ 30 ዓመት ከም ብሓዱሽ ክሳብ ዝለዓል ሞራልን ሃሞን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከርፋሕ ናብራ ክነብር ዝገበረ ወፍሪ 4 ጀኖሳይድ ትግራይ እዩ፡፡

ካብ ወየንቲ ክፍኖ ዝፀንሐ ሓያል መጥቃዕቲ ክፃወሩ ዘይከኣሉ ዓይቀይቶት ሽዋ ድፋዕ ወየንቲ ሰይሮም ምሕላፍስ ይትረፍ ኣብቲ ዝዓረድሉ ንምፅናሕ እውን ተፀጊሞም፡፡ ካብ እንባ ኣላጀ ተወዲቦም ክሃድሙ ዝፈተኑ ብበዓል ኣበበ ዳምጠው ተኸልኪሎም፡፡ ብውልቀ ዝፈርስ ሰራዊት ሃይለስላሰ ግን ብዙሕ ምንባሩ ሰነዳት የማላኽቱ፡፡ እዙይ ዝተዓዘበ መራሒ እቲ ግንባር ጀነራል ኣበበ ዳምጠው ልዕሊ 8000 ተወሳኺ ሰራዊት እንተዘይተላኢኽሉ ዘሕፍር ስዕረት ከም ዝገጥሞ ብተሌግራፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡ ነዙይ ዝተረደአ ሃይለስላሰ ብጳጳስ እቲ እዋን ኣቡነ ቄርሎስ ግዝት ኣፅሒፉ፡፡ “ካብ ጥፍኣቱ ዘይተመለሰ ዓመፀኛ ከም ይሁዳ ኣብ ጥቓ ቤተክርስትያን ከይቕበር ገዚተ!” ዝብል ኣብ እምነት ዝተመስረተ ሕሶት ብምምሕልላፍ ሰራዊት ወያነ ክሰግእ ጌሩ፡፡ ግንባር ኣላጀ ከይፈረሰ ብሽም ዕርቂ ን3 መዓልቲታት ኲናት ደው ብምባሉ ምኽንያት ብኣይሮፕላን ዝተሓገዘን 8000 ሓደሽቲ ዘራዊት ዝተወሰኹዎ ውግእ ካብ 19 መስከረም 1936 ጀሚሩ ተኸፈተ፡፡ ሓይሊ ሚዛን እቲ ኲናት እውን ብሃንደበት ተዛቢዑ፡፡ ወየንቲ ዝተፈላለዩ ስልትታት ብምምሃዝ ፀረ መጥቃዕቲ እኳ እንተገበሩ፤ ስልትታቶም ቀዲሞም እናተኸሸፉ ተፀጊሞም፡፡ 30 መስከረም 1936 ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈፀመ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ልዕሊ 500 ንፁሃት ግዳይ ሞት ምዃኖም ስዒቡ ህዝቢ ኣብ ራዕዲ ኣተወ፡፡

54 መቐለ፣ 16 ኣብ ሕንጣሎ፣ 14 ኣብ እንባ ኣላጀ፣ 32 ኣብ ቆረበታ፣ 4640 ፖውንድ 116 ቦምብታት፡፡

Previous articleወፍሪ ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ትግራይ 3ይ ክፋል
Next articleጀኖሳይድ ትግራይን ስሉስ ኩርናዕ ዘራያትን 5ይ ክፋል