Home ዜና ወፍሪ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ

ወፍሪ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ

1275
0

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ፃውዒት ሰላም ከም ዘይቕበልን ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ከም ዝቕፅለሉን ኣፍሊጡ፡፡

ጥቅምቲ 5/2015 ዓ.ም ብዋና ፀሓፊ ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂን ማሕበረሰብ ዓለምን ንዝቐረበሉ ፃውዒት ዘተ ሰላም ጥቅምቲ 7/2015 ዓ.ም ዕላዊ መልሲ ዝሃበ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝቐረበሉ ፃውዒት ሰላም ብምንፃግ፤ ብመሪሕነት ውዕልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝቕፅል ዘሎ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ኣብ መወዳእትኡ ከብፅሕ ተሓንዩ ኣሎ፡፡

ዘተ ሰላም ዝበሃል ነገር ኣይሕሰብን ክብል መግለፂ ኣውፂኡ ዘሎ እቲ ፋሽስት ጉጅለ፤ ቅድሚ ሕዚ ብሕብረት ኣፍሪካ ንዝቐረበለይ ፃውዒት ሰላም ብዘይ ቅድመ ኩነት ቦታን ግዘን ተቐቢለ ናብ ተግባር ክልውጦ እየ ክብል ማሕበረሰብ ዓለም ከደናግር ምፅንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ሎሚ ዕላዊ ገይርዎ ዘሎ መርገፂ ግን ትኽክለኛ መንነቱ ዝገልፅ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ፤ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ይምራሕ ዘሎ ጀኖሳይዳዊ ኲናት፤ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ክፀንትን ክበታተንን ተሊሙ፤ ብኸበድቲ ኣፅዋራት፣ ብድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ብኣልማሚት ብምድብዳብ ካብ መረበቱ ክስደድ ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እቲ ተግባር ከም ዝቕፅለሉ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ጉጅለ ፋሽስት ዕላዊ ጌሩ ኣሎ፡፡

መግለፂ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ትካላት ፌደራልን መዕርፎ ነፈርትን ከይተቖፃፀረ ኲናት ደው ከምዘየብል ዕላዊ ምግባሩ ስዒቡ፤ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ፀብፃብ ሒዙ ዝወፀ ፖለቲኮ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ፤ ፃውዒት ዘተ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣመላኺቱ ኣሎ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ብሽም ዘተ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ንኩሎም መንግስታዊን ሰብኣዊን ግልጋሎታት ዓፅዩ ድሕሪ ምፅናሕ ዝወለዖ ናይ መወዳእታ ጀኖሳይዳዊ ኲናት፤ ኣብ ኩሎም ግንባራት ይበፅሖ ካብ ዘሎ ወታደራዊ ስዕረትን ዲፕሎማሲያዊ ውርደትን ብምብጋስ፤ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ትግራይ ሰላማዊያን ሰባት ዘነፃፀረ ጨፍጫፍ የካይድ ብምህላዉ ውግዘት ማሕበረሰብ ዓለም ይበፅሖ ኣሎ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣንተኖቭ ኣቢሉ ኣብ ዘበተኖ በራሪ ፅሑፍ፤ ህዝቢ ትግራይ መረበቱ ገዲፉ ናብ ኤርትራን ካልኦት ከባቢታትን ክስደድ፤ እንተዘይ ኮይኑ ግን ብነፈርቲን ድሮንን ከም ዝድብድብ መጠንቀቕታ ከም ዘመሓላለፉ ዝፍለጥ እዩ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝቐረበ ዝደንጎየ ፃውዒት ሰላም ከም ዝቕበሎን፤ ንግብራዊነቱ ብስርዓትን ሕግን ክምራሕ ከም ዝግባእን ጥቅምቲ 6/2015 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ዕላዊ ከም ዝገበረ ይዝከር፡፡ 

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleምግዳል ንህላወ ትግራይ
Next articleእዋናዊ መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ ብድሆታት ሰጊሩ ህዝባዊ መኸተና ይዕወት!!