Home ዜና ዉዕሊ ጠጠው ምባል ተፃብኦ ንዘላቒ ሰላም

ዉዕሊ ጠጠው ምባል ተፃብኦ ንዘላቒ ሰላም

1990
0

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ውዕሊ ጠጠው ምባል ተፃብኦ ብመንፅር ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ተቓንዩ  ንክትግበር ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጦም፡፡

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ጠጠው ምባል ተፃብኦ ኣመልኪቶም ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ትካላት ሃይማኖትን ስቪክ ማሕበራትን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ እቲ ሐዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ብባህግን ድሌትን ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፅንተት ንምድሓን ተባሂሉ ዝተፈፀመ ከም ዝኾነ  ኣረዲኦም ፡፡

ነቲ ስምምዕ ጠጠው ምባል ተፃብኦ ብወገን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብዝለዓለ ርብርብ ይስርሓሉ ከም ዝሎ ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ግን ዕንቅፋት ኮይኑ ህዝቢ ይጭፍጭፍን ንብረት የዕኑን ከም ዘሎን መንግስቲ ፌደራል ድማ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንክፍፅም ተደጋጋሚ ፃውዒት ነቕርብ ኣለና ኢሎም፡፡

ብመሰረት ዝተፈረመ ስምምዕነት ቅልጡፍ ዋላ ተዘይኮነ ሰብኣዊ ረድኤትን መድሓኒትን ናይ ምእታው ጅማሮ ከም ዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ገሊፆም፡፡

ብመዳይ ምጅማር መሰረታዊ  ግልጋሎት ወሃብቲ ግን ዛጊድ ዝተጀመረ ግልጋሎት ከም ዘየለን ብወገን መንግስቲ ትግራይ ነዚኣቶም ብህፁፅ ንምጅማር ዘኽእሉ ቅድመ ምድላዋት ከም ዝወገነን ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዘራሪብካ ብቐጥታ ናብ ስራሕ ምእታው ከም ዝተርፍ ግን ኣረዲኦም፡፡

ውዕሊ ጠጠው ምባል ተፃብኦ ብመንፅር ረብሓን ድሕንነትን  ህዝቢ ትግራይ ተቓንዩ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝብና ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ከካይዶ ዝፀንሐ ፃዕሩ ከሕይል ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ምዒዶም፡፡

ህይወት ብርሃነ

Previous articleምውፃእ ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመር ውግእ
Next articleፃውዒት ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ