Home ዜና ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ሎሚ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም...

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ሎሚ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ካብ ዝሃብዎ መብርሂ ዝተወሰደ

801
0
  • ምርጫና ሓደን ሓደን እዩ:: ነዚ ወራርር እዚ ንምፍሻል ኩሉ ነገር ክንገብር ኢና  ንገብር እውን ኣለና ።
  • ሰራዊትና ህዝቡ እንትፈናቐል እንትርኢ ሕራነኡ ዕምቆት ክህልዎን ዝያዳ ክሕርንን ጌርዎ ኣሎ።

üሰራዊትና ካብ ዝፀሮ ንላዕሊ መንእስይ ትግራይ ይስለፍ ኣሎ። ዓብለቕለቕ እዩ ኢሉ።ክውስን እዮም ጌሮምዎ።

  • ዝገደፍናዮ ቦታ የለን ። ኣይንገድፎን እውን፡፡ ከተማታት ኣድያቦ  ሒዞምዎ ኣለዉ።ኣብ ዙርያ ከተማታት ኣድያቦ ድማ ኣለና ። ማይፀብሪ  ሕዞምዎ  ኣለዉ ግን ፀለምቲ ኣለና ። ፀላኢ ናብ ከተማታ ምእታው እዩ ከም መዐቀኒ ዓወት ዝቖፅሮ ዘሎ ንሕና ግን ኣብ ድሕሪት ኣለና ደው ኢልና ክንምክቶ ዝግበአና እንዳመከትና ተንቀሳቕስና ክንምክቶ ዝግባአና ድማ ተንቀሳቕስና ንምክቶ ኣለና ።
  • ትግራይ መቓብሮም ከም ትኸውን ጥርጥር የብሉን። ተጀሚሩ እውን ኣሎ።
  • ሓውዜን ክኣቱ ሓሲቡ ካብ ዓድዋ ብኣንፈት ማይ ቅነጣልን ገንደብታን ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝመፀ ፀላኢ እቲ ብገንደብታ ዝመፀ ሓይሊ ሻዕብያ ተደሚሲሱ።
  • ናይ ማተርያል ሕፅረትና ካብ ፀላእትና እንዳመንዛዕና ንፈትሖ ኣለና ።
  • ናይ ፀላእታና ዕጥቂ ፍልፍል ዕጥቅና ኮይኑ ኣሎ።
  •  መንግስቲ ኢትዮጵያ  ነቲ ዓዲሙ ዘእተዎ ወራሪ ሻዕብያ ዘውፅኦ እንተኾይኑ ንሰላም ምችው ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ።
  • ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ሓደ ኣባል ጉጅልኡ ዝኾነ ኣለሙ ስሜ ትግራይ ከማሓደር ሸይምዎ ኣሎ::
  • ንሕና ንኹሉ ድልዋት ኢና። ከም ንስዕር ንተኣማመን ።
Previous articleመግለፂ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
Next article“ወራር ብርሰት ብዝግባእ ንምምካት ኩሉ ይረባረብ!!”ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ