Home ዜና ዋዕላ ወፍሪ ክታበት

ዋዕላ ወፍሪ ክታበት

1051
0

ካብ 18 መጋቢት 2015 ዓ/ም ክሳብ 29″” መጋቢት 2015 ዓም አብ ትግራይ ንዝሳለጥ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብ ሞያ ሚድያን ዋዕላ ይሳለጥ አሎ። እቲ ብምሕትብባር ቢሮ ጥዕና፣ማረትን ዩንሴፍን ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ሰብ ሞያ ሚድያን መራሕቲ ሃይማኖትን ሕብረተሰብ ብምልዕዓልን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዝተሰሓሓቱ ዝንባለታት ንምእራምን ሓገዝቲ ብምኳኖም አድላይ ከምዝኾነ አብቲ ዋዕላ ብመፅናዕቲ ቀሪቡ እዩ።

እቲ ወፍሪ ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ዩኒሴፍፍ፣ እኖታት ንእኖታት፣ ውደብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት መዳርግትን ብሓባር ዘሳልጥዎ እንትኮን ኣብቲ ወፍሪ ክታበት ንፍዮ፣ስሩዕ ክታበት ዕደላ ቫይታሚን ኤ ፣ ዕደላ መድሓኒት ፀረ ፅግዕተኛ ሓሳኩን ምምማይ ሕፅረት ምግቢ ህፃናትን አዴታትን ከምዝትግበር አብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ክኢላ ስራሕቲ ባህርያዊ ለውጢ ወይዘሮ ስንዳዮ ገሰሰው ገሊፀን።

ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ አብ ምሕጋዝ እቲ ወፍሪ ግደአም ከምዝፃወቱን ሕብረተሰብ እውን እቲ ዕድል ክጥቀመሉ ከምዝግባእ ፀዊዖም አለው።

ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleስነ-ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ብግፍዒ ንዝተቐተሉ 84 ሰላማዎያን ነበርቲ ወረዳ ኣስገደ
Next article“ትግራይ ከመይ ነላልያ”