Home ዜና ” ዋዕላ ፍትሒ ንዘላቒ ሰላም”

” ዋዕላ ፍትሒ ንዘላቒ ሰላም”

694
0

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ጀኖሳይድን ግፍዕን ተሓታትነትን ፍትሕን ክረጋገፅ ኣብ ደገን ውሽጥን ዝነብር ትግራዋይ ብትኹረት ክሰርሕ ከም ዘለዎ ምሁራት ትግራይ ፀዊዖም፡፡ ብማሕበር

ዩኒቨርሲታት ትግራይ ዝተሰናደአ ዋዕላ ፍትሒ ንዘላቂ ሰላም ብዝብል ምሁራት፡ ኣብያተ ዕዮ መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖት ዝርከብዎም ዋዕላ ተሳሊጡ፡፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ጀኖሳይድን ግፍዕን ተሓታትነት ከመይ ይረጋገፅ ከምኡ እውን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተቀመጡ ነጥብታት ውዕሊ ሰላም ብፍላይ ምስ ስግግር ፍትሒ ተሓታትነት ተግባራውነት ከመይ ይህልዎ ዝብሉ ዛዕባታት ብ ዶ/ር ሰለሙን ባርናባስ መበገሲ ፅሑፍ ናብ ተሳተፍቲ ቀሪቡ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ብወገኖም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድን ግፍዕን መከራን ሐዚ እውን ዝቅፅል ዘሎን እዚ ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተቲ ክኾኑን ፍትሒ ክረጋገፅን ብነፃን ዘይሻራውን ትካላት ክፃረን ኩሉ ትግራዋይ ዋኒኑ ገይሩ ክሰርሕ ከም ተዘለዎ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድን ስቃይን ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣካላትን ድማ ተሓታትነትን ፍትሕን ከረጋግፁ ከም ዘለዎም ፃውዒት ቀሪቡ፡፡ ብሃፍታይ ባህረ

Previous articleዘላቒ ተኹሲ ደው ምባል ንምርግጋፅ ተሓታትነት
Next articleሓገዝ ንውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ