Home ማሕበራዊ ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ብራኻ ሰብኣውነት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም መረሕቲ ሃይማኖት...

ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ብራኻ ሰብኣውነት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም መረሕቲ ሃይማኖት ትግራይ

859
0

ኣብ’ቲ ምሕረት ዝተገበረሉ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ብወገኖም ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ኮይኑ እናሃለወ ኣብ ኣብ ልዕሊኡ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ምሕረት ምሃቡ ብሃይማኖት ዝምራሕ ሰብኣውነት ምሕረትን ዘቀደም ህዝቢ ትግራይ ሓበን ክሰምዖ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ብዘሎ ዕፅዋን ክባን ምኽንያት ንገዛ ርእሱ ኣብ ፀገም ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ዝገበረልኩም ሓገዝ ክስቆረኩም ይግባእ ዝበሉ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተዋሂብኩም ዘሎ ዕድል ተጠቂምኩም ሓቀኛ ምስሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝረኸብክምዎ ኣጋጣሚ ክተረጋግፁ ይግባእ ኢሎም፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኩሉ ግዜ ንሰላም ድልዋት ምዃኖም ንሙሩኻት ምሕረት ብምግባር ካብቶም ብዙሓት መርገፂ ሰላም ተጠቐስቲ ምኳኖም ዝገለፁ ኣብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ማእከል ሙሩኻት ኣይተ ብርሃነ ከበደ እቲ ሕዚ ዝተገበረ ምሕረት ምሩኻት እውን መቐፀልታ ናይ’ዚ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ምሕረት ዝተውሃበሉ እዋን ፀላእቲ ህዝቢ ትገራይ ንምውራር ምድላዋት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ዋላ ካ እንተኮነ እቲ ውሳነ ከም ስግኣት ዘይኮነስ መንፈስ ሰዓራይነት ጅግንነት ልዑል ሞራልን እቲ ህዝቢ ትግራይ ዝለዓለ ምኳኑ ዘረጋገፅ ኢሎም፡፡እቶም ምሕረት ዝተገበረሎም ሙሩ ኻት ብቐፃሊ ኣምባሳደር ሰላም ኮይኖም ክሰርሑ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ ኣይተ ብርሃነ እቲ ዝተገበረ ምሕረት ህዝቢታት እዛ ሃገር መጋበርያ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ከይኾኑ ደው ኢሎም ክሓስቡ ዝገብር እዩ ኢሎም፡፡

ክብሮም ተስፋይ

Previous articleመንግስቲ ትግራይ ን4,208 ሙሩኻት ምሕረት ገይሩ።
Next articleካብ ቃልሲ ናፅነት ናብ ባርነት