Home ዜና ውድቀት ፋሽስታዊ ጉጅለ

ውድቀት ፋሽስታዊ ጉጅለ

1298
0

ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ጀሚርዎ ዘሎ ኲናት ንዕርበቱ መንገዲ ዝፀርግ ከምዝኮነ ኣምባሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ ገሊፆም፡፡

ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ጊዚያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ጀሚርዎ ዘሎ ኲናት ንዕርበት እቲ ስርዓትን ውድቀት ፖለቲካውን ቁጠባውን ኢትዮጵያን ዘቀላጥፍ ምዃኑ ድማ ኣምባሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ክልተ ዓመታት ይመልእ ምህላዉ ዝገለፁ ኣምባሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ፤ ህዝቢ ትግራይ ብውሱን ዓቕሚ ዝሰዓሮ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዳግማይ ትግራይ ወሪሩ ንምሓዝ ጀሚርዎ ዘሎ ኲናት ክዕወተሉ ከም ዘይኽእል ምስ ቲ-ኤም ኤች ሚዲያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ጠቒሶም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ብስም ደው ምባል ተፃብኦ ዝኣከቦ ሓይሉ ተጠቒሙ ከፊትዎ ዘሎ ኲናት ዕላምኡ ክወቅዕ ከም ዘይኽእል ዝሓበሩ ኣምባሳደር ብርሃነ፤ ኣሽንኳይ ውሱን ስልጠና ረኺቡ ብዕጥቂ ክስዕር፤ ንዓመታት ዝተሃነፀ ሰራዊቱ ከም ዝተደምሰሰን፤ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ኲናት ተመሊሱ ነቲ ጉጅለ ዝበልዕ ምዃኑን ሓቢሮም፡፡

ከም ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ውድቀት እናሃለዉ ናብ ዳግማይ ኲናት ዝኣተውሉ ምኽንያት፤ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገበን ስለዝደፍኦም ምዃኑ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ብርሃነ፤ ዘርኢ ደቂ ሰባት ብምጥፋእ ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ሓይልታት ካብዚ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ስለዝሰኣኑ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ዝሃብዎ ዕድል ግቡእ ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣምባሳደር ብርሃነ፤ እቲ ሰላም ብመንገዲ ሰላም ክረጋገፅ ዘይኽእል እንተኾይኑ ግን ክንነብር ክንብል ብቕልፅምና ሰላም ክነረጋገፅ ስለእንግደድ፤ ህዝቢ ትግራይ በቲ ዝተለመደ ፅንዓቱ ንዘላቒ ረብሓ ክቃለስ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡

ገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleAn open letter from the President of #Tigray, Debretsion Gebremichael, on the proposal for pursuing peace to resolve the conflict.
Next articleሰበር ዜና – ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ከተማ መቐለ