Home ሕርሻ ውፅኢታት ምህዞ እታወታት ሕርሻ ንምድንፋዕ መፍረያይነት

ውፅኢታት ምህዞ እታወታት ሕርሻ ንምድንፋዕ መፍረያይነት

853
0

ሰብ ሞያ ሕርሻ ትግራይ ሓረስታይ ትግራይ ዘጋጠሞ ፀገም እታወታት ሕርሻ ንምቅላል ፣ ብምህዞ ዝረከብዎም ንእታወታት ሕርሻ ክውዕሉ ዝኽእሉ ኬሚካላት የፍርዩ ከም ዘለው ቢሮ ልምዓትን ሕርሻን ገጠር ትግራይ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይ ብፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ተነቢርዎ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ንምብዳህ ፣ ኣብ ከተማን ገጠርን ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ንምስፍሕፋሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣማኻሪ ሓላፊ ቢሮ ልምዓትን ሕርሻን ገጠር ትግራይ ኣይተ ሃይሉ በርሀ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኺ ዕፅዋ ፋሽስታውያን ሓይልታት ካብ ማእኸል ዓዲ ዝኣትው ዝኾነ ይኹን እታወት ሕርሻ ከምዘየለን ነዚ ፀገም ዝተረድኡ ሰብ ሞያ ሕርሻ ፀገም ማሕበረሰብ ተረዲኦም ብዝገበርዎ ስራሕቲ ምርምር ዝረከብዎም ውፅኢታት ምህዞ እታወታት ሕርሻ የፍርዩ ከም ዘለው ድማ ኣይተ ሃይሉ ኣብሪሆም።

ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብዚ ዓመት 500 ሄክታር መሬት ኣብ ምልማዕ ሕርሻ ከምዝርከቡ ድማ ኣይተ ሃይሉ በርሀ ኣገንዚቦም።ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ልምዓት መስኖ ብምጥቓም ገደናታቱ ብኣሕምልትን ፍረታትን ክሽፍን ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም።ብመርሃዊ ተስፋይ

Previous articleእዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ
Next articleዓፀቦ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ