Home ዜና ዑደት ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት

ዑደት ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት

547
0

ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮብያ ሎሚ ግንቦት 10/2015 ዓ/ም ምስ መሳርሕቶም ብሓባር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዑደት ጌሮም። እቶም ኣምባሳደር ምስ ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርስቲ ተራኺቦም ኣብ ዙርያ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዝበፀሐ ዕንወትን እቲ ዩኒቨርሲቲ ንቡር ስርሑ ንኽጅምር ኣብ ዝድግፉ ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም።

ኣምባሳደር ሮላንድን ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝበፀሐ ዕንወት እዉን ተዘዋዊሮም ከም ዝተዓዘቡን ድሕሪኡ ድማ ብሓፈሻ ዝበፀሐ መጠን ዕንወት ሐዚ ዝርከበሉ ኩነታትን ብዝምልከቶም ኣመራርሓ መብርሂ ከምዝተዉሃበ እዉን ተገሊፁ።

ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምትሕብባር ዝሰርሖ ዘሎ ፕሮጀክት ምርግጋእን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ተቓላዕትን ዝተገለሉን ማሕበረሰባት ትግራይ እውን ኣካል እቲ ዘተ ከም ዝነበረ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣፍሊጡ።

ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ብምትሕብባር ዝሰርሑ ዘሎዉ ፕሮጀክት ምርግጋእን ምዕባለን ማሕበረ-ቁጠባዊ ተቓላዕትን ዝተገለሉን ማሕበረሰባት ትግራይ እውን ኣካል እቲ ዘተ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲኦም ወገናት ዝያዳ ርክባቶምን ትሕብባሮምን ንምድልዳል ከም ዝተሰማዕምዑ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣፍሊጡ።

ትማሊ 9 ግቦት 2015 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዑደት ንምግባር መቐለ ኣትዮም ምስ ፕሬዚዳንት ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ዘተ ብምክያድ ዑደቶም ዝጀመሩ ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮብያ ኣብ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ፃንሒቶም ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዑደት ዘካየዱ እንትኾኑ ቀፂሎም ድማ ናብ ሽረ እንዳስላሴ ዑደት ከም ዝገብሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ተኽለወይኒ ኪዳነ

Previous articleዘተ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ምስ ኣመራርሓ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም
Next articleፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ