Home ዜና ዑደት ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣፍሪካ

ዑደት ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣፍሪካ

788
0

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት ንምክያድ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣምሪሖም፡፡ እቶም ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ምስ መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን ዘተ ከምዝገብሩ France 24 ፀብፂቡ፡፡ እቲ ዑደት ሩስያ ኣብ ኣፍሪካ ንእተሕድሮ ዘላ ፅዕንቶ ንምምካት ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን እቲ ፀብፃብ ኣመላኺቱ፡፡

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሩስያ #ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ግብፂ፣ ዩጋንዳን ሪፓብሊክ ኮንጎን ዘካየድዎ ዑደት ስዒቡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ናብ ኣፍሪካ ትኹረት ክገብር ከምዝገበሮ ድማ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልፁ፡፡  

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ እቲ ሕዚ ኣብ ኣፍሪካ ዘካይድዎ ዘለው ዑደት ንኻልኣይ ግዜ እንትኸውን ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ ኣብ ሃገራት ኬንያ፣ ሰኔጋልን ናይጀርያን ዑደት ጌሮም ምንባሮም ይዝከር፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለው ገበናት ጠጠው ንክብሉ ዝጠልብ ዘተ ምስ ፕረዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ናይሮቢ ተራኺቦም ምይይጥ ከምዘካየዱ ይፍለጥ፡፡

ሕዚ ዘካይድዎ ዘለው ዑደት ዕላምኡ ድማ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ትፍፅሞ ንዘላ ወራር ሃገራት ኣፍሪካ ክቃወማን ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ክነጥፋን ዝዕድም እዩ ይብል ፀብፃብ ፍራንስ 24፡፡

እተን ንወራር ሩስያ ዝደገፋን ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ንምቕፃዕ ዝጠመተ ረቂቅ ሕጊ H.R 7311 ኣሜሪካ ኣፅዲቓ ከምዘላ እውን ተሓቢሩ፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleሕቶ ህፁፅ ሓገዝ ንስደተኛታት ትግራይ
Next articleምስረታ ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይ