Home ዜና ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን

ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን

475
0

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ውፃኢ ኣሜሪካ ሎሚ 22 ግንቦት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ካብ 23 ጀሚሩ ክሳብ 29 ጉንበት ኣብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ፃንሒት ከም ዝገብሩ ኣፍሊጡ።

ማይክ ሃምር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ናብ ትግራይ ብምጉዓዝ ኣብ ዙርያ ትግበራን ኣፍፃፅማን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ፣ ስግግር ፍትሕን ተሓታትነትን ኣድሂቦም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝዝትዩ እዉን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ጉዕዞ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝሳለጥ ፎሮም ፀጥታ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ጅቡቲ ከም ዘምርሑ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ጅቡቲን ምስ ዋና ፀሓፊ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ/ኢጋድ/ ዶ/ር ወርቅነህ ገበዮህን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዉን ዞባዉን ጉዳያት ከምዝዝትዩ ተፈሊጡ።

ብተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ

Previous articleድምፂ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ
Next article”ሕቶ ብምልዓልና ግዳይ ማእሰርቲ፣ ምፍርራሕን መዉቃዕትን ኮይና”-ነበርቲ ዶግዓ ተንቤን