Home ዜና ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

1029
0

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ካብ 5 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዘካይዱ ተገሊፁ፡፡ብተመሳሳሊ ዜና ምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ኣመልኪቶም ምስ ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ዘተ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ፡፡

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ካብ 5 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዘካይዱ ምኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ፡፡ -እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ፣ምስ ተወከልቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን መሓዙት ዲፕሎማሰኛታትን ዘተ ከምዝገብሩ ድማ እቲ መግለፂ ኣነፂሩ፡፡

ዑደት ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብታ ሃገር ዝቕፅል ዘሎ ደማዊ ኲናት ብዘተ መዕለቢ ንክረክብ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ንክኣትውን ዝተፈፀሙ ገበናት ብግልፂ ንክፅንዑን ድፍኢት ንምፍጣር ከምዝኾነ እውን መግለፂ ምኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ዕላዊ ገይሩ፡፡ብተመሳሳሊ ዜና ምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣድሂቦም ምስ ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳይ ሰደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተራኺቦም ዘተ ከምዘካየዱ Today News Africa ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ወራር ስዒቡ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ካብ መረበቱ ክመዛበልን ክስደድን ከምኡ እውን ግዳይ ሰብ ሰራሕ ዓፀባ ክኸውን ከምዝገበሮ ድማ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ፡፡ ብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ኩለመዳያዊ ክባን ዕፅዋን መፍትሒ ንክረክብ ማሕበረሰብ ዓለም ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘለዎ ድማ ፀብፃብ Today News Africa ኣመልኪቱ፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleኣሜሪካ ኲናት ትግራይ ክቕፅል ንዝገብሩ ዘለዉ ሓይልታት ሓዱሽ ማዕቐብ ክተንብር ብሓደ ነባር ዲፕሎማት ኣሜሪካ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡
Next articleጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብጉጅለ ኣብይ