Home ዜና ዕለታዊ ናብራይ ንምምላእ ኣብ ፅርግያ ኣስቤዛ ዘርጊሐ  ዝዝሓልፍ ሰብ ዶ’ኾን ይገዝአኒ ብተስፋ...

ዕለታዊ ናብራይ ንምምላእ ኣብ ፅርግያ ኣስቤዛ ዘርጊሐ  ዝዝሓልፍ ሰብ ዶ’ኾን ይገዝአኒ ብተስፋ እየ ዝመውት

663
0

መምህር ልደቱ ገ/ስላሰ ብማስትሬት ድግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሐዋሳ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ምምህርና ተዋፊሩ ዓርሱን ቤተሰቡን ተረቢሑ ሃገር ዝቕይር ወለዶ ኣብ ምፍራይ ይረባረብ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር በቲ ኣብ ኢ/ያ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ መምህር ልደቱ ስርሑ ብኣግባቡ ዘስርሕ  ባይታ ምስ ሰኣነ  ናብ ትግራይ ብምምፃእ ኣብ ዩኒቨርስቲ ራያ  ክፍሊ ትምህርቲ ኣኒማል ሳይንስ እናምሀረ ፀኒሑ፡፡

ሕዚ እውን እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ጀኖሳይዳዊ ኵናት  መላእ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ  ደሞዝ ሕርሚ ኾይንዎም፡፡ ብርዕን መፅሓፍን ዝለመዳ ኣእዳው መምህር ልደቱ እውን ዕለታዊ ናብርኡ ንምምላእ “ኣብ ፅርግያ ኣስቤዛ ዘርጊሐ ዝዝሓልፍ ሰብ ዶ’ኾን ይግዝአኒ? ብተስፋ እየ ዝመውት” ይብል፡፡

እቲ ካብ ተፀባይነት ወፂኡ ኣብ ጉደና ለውጢ ዝሕምበብ ዝነበረ ምምህር ልደቱ ሕዚ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ህይወቱን ህይወት ስድርኡን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቁ፡፡

ብመንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ትግራይ ዝተፈረመ ዘተ ሰላም ስቃይ መምህር ልደቱ ሓዊሱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ፀገምን ፀበባን ከውፅእ ዶ ይኸውን? ሕዚ እውን እንትኾነ ይብል መምህር ልደቱ ደቓይቕ ሳዓታት ብዝሓለፈ ቁፅሪ ስቃይ ህይወት ብርክት ዝበሉ ወገናት ይሓልፍ ብምህላው እቲ ዝተፈረመ ስምምዕነት ዘተ ናብ ባይታ ወሪዱ ተግባራዊ ክግበር ኣለዎ፡፡ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕነት ዘተ ግን ተግባራዊ ክኸው ዶ ይኾን? ግዜ ዝምልሶ ጉዳይ እዩ፡፡ ብኢየሩሳሌም ገ/መድህን

Previous articleፃውዒት ውድብ ጥዕና ዓለም
Next article“ሕዚ እውን ሓድነትና ዝያዳ ኣስጢምና ንዝበለፀ ቃልሲ ንረባረብ!” ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ