Home ዜና ዕማም ተሓለቕቲ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ

ዕማም ተሓለቕቲ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ

935
0

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ገበነኛታት ናብ ዓለም ለኸ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ብዝለዓለ ሓላፍነት ከምዝሰርሕ ቤት ፅሕፈት ጥምረት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ስቪል ማሕበራት ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡—-ገበነኛታት ናብ ዓለም ለኸ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ብዝለዓለ ሓላፍነት ከምዝሰርሕ ቤት ፅሕፈት ጥምረት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ስቪል ማሕበራት ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡እቲ ጥምረት ነዚ ዝገለፀ ዕላዊ ስራሕ ንምጅማር ዘኽእል ዋዕላ ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ እዩ፡፡

ጥምረት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰል ስቪክ ማሕበራት ትግራይ ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፣ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ፣ማሕበር ጉድኣት ኣካል ደቂ ኣንስትዮ፣ ትግራይን ካልኦት ነፃን ገለልተኛን ዝኮኑ 12 ማሕበራት ኣብ ውሽጡ ሓቂፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ ዝተዋደደን ዝተተለመን ፅንተት ኣፅኒዑ ብምስናድ ገበነኛታት ናብ ዓለም ለኸ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ዘኽእሎ ውህደትን ኣሰራርሓን ዘርጊሑ ዕላዊ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ፡፡

ኣቦ መንበር እቲ ጥምረት ኣይተ ሰለሙን ሃይሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ ደረት ኣልቦ ግፍዕን ፅንተትን መዕለቢ ክረክብን ገበነኛታት ናብ ዓለም ለኸ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ንዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓለምን ዝተፀንዐን ዝተማልአን ሓበሬታ ብምቅራብ ፍርዲ ክረክቡ ዝለዓለ ትኩረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረከቡ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ በሪሁ ተወልደ ብርሃን ገበነኛታት ክሕተቱን ክፍረዱን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል ጥምረት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ስቪክ ማሕበራት ትግራይ ተሓቑፉ ሰብኣዊ መሰል ስቪክ ማሕበራት ትግራይ ተሓቂፉ ተወዲቡን ሓበሬታ ብምሃብ ዝተማእኸለ ቃልሲ ክገብር ይግባእ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ በቢመዋእሉ ንዝመፁ ወረርቲ እናመከተ ብሓድነት ቅልፅሙን ታሪኩን መንነቱን ዝዓቀበ ህዝቢ እዩ ዝበሉ ኣይተ በሪሁ ሕዚ እውን ቃልሱ ብምጥንኻር ፀላእቱ ክሳዕ ሓመድ ድበ ዝኣቱን ኣብ ኣደ ባባይ ዓለም ቀሪቦም ዝሕተትን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ጎኒ እዛ ጥምረት ኮይኑ ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም፡፡ኣብቲ ዋዕላ ዝተረከቡ መተሓባበርትን ኣባላት እቲ ጥምረትን ብወገኖም ንብዓት ህዝቢ ትግራይ ክሳዕ ዝሕበስ ብዝለዓለ ሓድነትን ተወፋይነትን ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡ህዝቢ ትግራይ በቢከባቢኡ ዝተፈፀሙ ገበናት ናብ ጥምረት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ስቪክ ማሕበራት ትግራይ ብምሕባርን ብምስናድን ግቡኡ ክፍፅም እውን እቶም ኣባላት ኣተሓሳሲቦም፡፡

ጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleኣብ ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ግደ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ
Next articleብሰንኪ ፋሺስታዊ ጉጅለ ካብ ዓለም ዝተገለለ ህዝቢ ትግራይ