Home ዜና ዕንወት ግድብ ፅሩይ መስተ ማይ ገርሁ ስርናይ

ዕንወት ግድብ ፅሩይ መስተ ማይ ገርሁ ስርናይ

1032
0

ብልዕሊ 152 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ግድብ ፅሩይ መስተ ማይ ገርሁስርናይ ሓዊሱ ትካላት መስተ ማይ ወረዳ እገላ ብኣራዊት ስራዊት ሻዕቢያ ምዕናወን ሲዒቡ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከቡ ነበርቲ ወረዳ እገላ ገሊፆም።

ኣራዊት ሰራዊት ሻዕቢያ ነቲ ህዝቢ ብፃምእ ማይ ንምስቓይን ብመስኖ ዝለምዑ ዝነበሩ ከባቢታት ጠጠዉ ንምባልን ፀገም መስተ ማይ ነበርቲ ገርሁ ስርናይን ከባቢኣን ንምፍታሕ ዝተሃነፀ ግድብ ፅሩይ መስተ ማይ ገርሁስርናይ ሙሉእ ንሙሉእ ናዉቱ ብምስራቕን ብምዕናዉን ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ክኽዉን ከም ዝገበሮ ኣብቲ ግድብ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ኣረዲኦም።

ብምኽንያት እቲ ዝበፅሐ ዕንወትን ስርቅን ድማ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ዝርከብ ኮይኑ ነዊሕ ኪሎሜትር ብእግሩ እናተጓዓዘን ምስ እንስሳ እናተዳፈአን ፅርየቱ ካብ ዘይሓለወ ወራዲ ሩባ ማይ ክቐድሕ ተገዲዱ ከም ዝርከብ ነበርቲ እቲ ካበቢ ገሊፆም።

ብሓፈሻ ኣብ ወረዳ እገላ ዝነበራ ትካላት መስተ ማይ ብኣራዊት ሰራዊት ሻዕቢያ ከም ዝዓነዋን ዝተሰራቓን ዝሓበረ ምምሕዳር ወረዳ እገላ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተበፃሕነት ፅሩይ መስተ ማይ እታ ወረዳ ናብ ባዶ ምዉራዱ ኣፍሊጡ።

በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ትካላት መስተ ማይ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ነበርቲ ገርሁ ስርናይን ከባቢኣን ተወለድቲ እቲ ካበቢ ፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይን መንግስቲ ትግራይን ብቅልጡፍ ክበፅሕሎም ፀዊዖም።

ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleሞት ኣዴታትን ህፃናትን ወረዳ እገላ
Next articleምፋታሕ ፀገም ሕብረተሰብ