Home ዜና ዕድላት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ፀንቂቕና ብምጥቃም ረብሓ ህዝብና ንምርግጋፅ ክንረባረብ ኢና!

ዕድላት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ፀንቂቕና ብምጥቃም ረብሓ ህዝብና ንምርግጋፅ ክንረባረብ ኢና!

496
0

——-

መበል 32 ዓመት በዓል 20 ጉንበት ብዝምልከት ዝወፀ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ።በዓል 20 ጉንበት ውፅኢት ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ እያ፤ በዚ ድማ ኣብ ልብን እምነትን ትግራይ በሪኽ ስፍራ ኣለዋ። ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት ተዳዕኒንዎ ዝነበረ ድርብ ጭቆናን ወፅዓን 20 ጉንበት 1983 ዓ.ም ካብ እንግድዓኡ ምድርባይ ክኢሉ እዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ በዓል 20 ጉንበት ሓቢሩ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ኣብታ ዓዲ ኮነ ኣብ ትግራይ ተስፋ ዝህቡ ኩለመዳያዊ ለውጥታት ክርኣዩ ጀሚሮም ከም ዝነበሩን ይኹን እምበር እዚ መንገዲ ብዝነበሮ ኣንፈትን ናህርን ክቕፅል በዘይምኽኣሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ እቲ ዝኸፍአ ግፍዕን በደልን ከተኣናግድ ተገዲዱ እዩ ክብል ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ፅንተት ንምምካት ከም ሓደ ሰብ ኮይኑ ብሓደ ልቢ እናመከት ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ብዝተፈረመ ውዕሊ ደው ምባል ተፃብኦ መሰረት ካብቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኩናት ወፂኡ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሱ ንምሕያል ዘኽእሎ ዕድል ብምርካቡ በዚ መንገድ እናተቓለሰ ይርከብ።ውፅኢት እዚ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቱ እውን ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይሩ ኣሎ ዝበለ እቲ መገለፂ ዛጊድ ብዝገበሮ ፃዕሪ እውን ኣብ መብዛሕትኡ ትግራይ ቶኽሲ ጠጠው ኢሉ ኣንፃራዊ ሰላም ቀፃሊ ኮይኑ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። መሰረታዊ ግልጋሎታት ክኽፈቱ፣ ዋላ ዝተማልአ ኣይኹን በጀት መንግስቲ ክልቀቕን ዝተወሰነ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክኽፈልን ከምኡ ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዝነበረ ርክብ ብኣንፃራዊነት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክሰጋገር ብምግባር ተስፋ ዝህቡ ለውጥታት እናመዝገበ ይርከብ።

ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ባህግታትና ዝተማልኡ ንምግባር ሕዚ እውን ቀትርን ለይትን ክንረባረብ ኢና ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።ይኹን እምበር ምዕራብ ትግራይ፣ ሰፊሕ ከባቢ ደቡብ ትግራይ፣ ቀሊል ዘይብሃል ከባቢታት ምብራቕ፣ማእኸልን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ኣይኮነን ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ክመዛበል ዘይግብኦ ህዝብና ካብ መረቤቱ ተመዛቢሉ ከቢድ ህይወት ክደፍእ ተገዲዱ፣ሰራዊት ሻዕብያን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ መሬት ትግራይ መሊኦም ስለዘይወፅኡ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረቤቶም ክምለሱ ኣይክኣሉን፣ ብፅቡቕ ኩነታት ጀሚሩ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ንግዜኡ ጠጠው ክብል ተገይሩ ኣሎ ዝበለ እቲ መግለፂ ካብ ማእኸል ዓዲ ናብ ትግራይ ዘምርሑ መንገድታት እውን ብዝተማልአ ብርኪ ዝተኸፈቱ ኣይኮኑን ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ሓቢሩ ።

ስለዝኾነ ድማ ዕድላት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ፀንቂቕና ብምጥቃም ኣብ ከይዲ ዘጋጠሙ ፈተናታት ብሰላማዊ መንገዲ እናተላዘብናን እናተቓለስናን ረብሓ ህዝብና ንምርግጋፅን ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረቤቱ ንምምላስን ብዝለዓለ ብርኪ ከም ዝሰርሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከረጋግፅ ይፈቱ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ብዓይነቱን ብርኪ ኣፈፃፅማኡን መዳርግቲ ዘይብሉ ዓልውምለኻዊ ገበናት ብዓለምንለኻዊ ዘይሻራዊ ኣካል ንክፃረን ገበነኛታት ተሓተትቲ ንክኾኑን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ እዉን ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝተፈፀሙ ገበናት ብባህሪኦም ብናይ ሓንቲ ዓዲ ሕግታት ዝድነዩ ኣይኮኑን ዝበለ እቲ መግለፂ ካብዚ ኣንፃር ኣብዚ ጥፍኣት ዝተሳተፉ ኣካላት ብዓለምለኻዊ መስሪሕ ተሓተትቲ ንምግባር መላእ ህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን እጃሞም ንክዋፅኡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።

20 ጉንበት ንሕውየትን ፍትሕን!!

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

20 ጉንበት 2015ዓ.ም

መቐለ

Previous articleብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ሚኒስተር ጥዕና ፌዴሪኢን ሂማልያ ካታራክትን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ክሳለጥ ዝቐንየ ካልኣይ ዙርያ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ተዛዚሙ።
Next articleኣብ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ምፅራይ ሓበሬታ ብምሃብ ህዝቢ ክሳተፍ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ፀዊዑ።