Home ዜና ዕፅዋ ሰብኣዊ ሓገዝ

ዕፅዋ ሰብኣዊ ሓገዝ

987
0

ኣብ ከተማ ኣክሱም 33 ማእኸል ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ይርከባ፡፡ ብዕፅዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ግና ንጥፈታተን ከካይዳ ኣይከኣላን፡፡

ኣብዘን ትካላት ተሓቒፎም ዝነብሩ 65 ወገናት ብጥሜት ከምዝሞቱ ድማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ሰራሕተኛን ተጠቃምነት ሕብረተሰብን ከተማ ኣክሱም ዲያቆን ሽሻይ ለገሰ ሓቢሮም፡፡

ኣብታ ከተማ ንተፈናቐልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ወገናት ስኣን መድሓኒትን ምግብን ኣብ ዓፀባ ይርከቡ፡፡ ብምትሕብባር ማሕበር ሓወልቲ ኣክሱም ሃገር ስዊድን ገባሪት ሰናይ እመሆይ ፀጋ ግርማይን ድማ ንትካላት ገበርቲ ሰናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ተገይርሎም፡፡

ካብ ማሕበር ሓወልቲ ኣኽሱም ተቐማጦ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ ልዕሊ 400 ሽሕ ብር ከምዝኾነን ህዝቢ ንምድሓን ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእን ዝበላ ድማ እመሆይ ፀጋ ግርማይ እየን፡፡

ብኤፍሬም ረደሀኝ

Previous articleፅሩይ መስተ ማይ ቦራ ቸሊና
Next articleብደገን ውሽጥን ዝተወጠረ ተስፋ ሰላም