Home ዜና ዕፅዋ ዝፈጠሮ ስእነት መድሓኒት

ዕፅዋ ዝፈጠሮ ስእነት መድሓኒት

ኣብ ማእኸል መሐብሐቢ ፍርምናጦስ ዝርከቡ ወገናት ብስእነት መድሓኒት ንዝኸፈኣ ፀገም ጥዕና ተቓሊዖም፡፡ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ወረርቲ ሓይሊታት ኣብ ከተማ #መቐለ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍርምናጦስ ዝርከቡ ወገናት ብስእነት #መድሓኒት ንዝኸፈኣ ፀገም ጥዕና ከምዝተቓሊዑ ገሊፆም፡፡ እቲ ማእኸል መሐብሐቢ ሰብፀጋ ዕድመ፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ዝሕብሐብሉ ብምዃኑ ስእነት መድሓኒት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ፀገም ከምዝኾነ ዝሓበረ በዓል ሞያ ጥዕና ከላሊ ኣማረ እቶም #ወገናት ብሕማም ይሳቐዩ ከምዘለውን ንከቢድ ሓደጋ ተሳጥሖም ከምዝርከቡን ኣብሪሁ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓፀባ ምውዳቑ ስዒቡ ኣብቲ ማእኸል መሐብሐቢ ዝርከቡ ወገናት ንዝኸፈኣ ፀገም ተቓሊዖም ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን #ህፃናትን ፍርምናጦስ ኣባ ገ/መድህን በርሀ ህይወት እቶም ወገናት ንምድሓን ሰብኣውነት ዝስመዖ ኩሉ ሓገዝ ክገብረሎም ፀዊዖም፡፡ ኣብ ማእኸል መሐብሐቢ ፍርምናጦስ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዘለዎም ልዕሊ 160 ወገናት ዝርከቡ እንትኾኑ ክባን ዕፅዋን ብዝፈጠሮ ስእነት ምግቢን መድሓኒትን ህይወት እቶም ወገናት ኣብ ሓደጋ ይርከብ፡፡ ብታደለ ዳኘው

1268
0
Previous articleውፅኢት ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይን ምሕላፍ ረቂቅ ሕጊ HR6600 ን S3199
Next articleሰይጣን ከምስል የእዊ…