Home ዜና ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዘሐግዝ ዑደት

ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዘሐግዝ ዑደት

957
0

ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል ኣብ መቐለ ዝገበሮ ዑደት ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ስኢንዎም ዝፀንሐ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንክኽፈቱን ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ድማ ብዘተ ክፍትሑን ዕድል ዝፈጠረ ምዃኑ ወኪል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም፡፡ብኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል ዑደቱ ዛዚሙ ኣሎ፡፡
ብኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል ምስ ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ፣ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዘትዮም፡፡


ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ስኢንዎም ዝፀንሐ መሰረታዊ ግልጋሎታት ብህፁፅ ንክኽፈቱ በቢግዚኡ ክስርሑ ዝግበኦም ስራሕቲ ንምውጋን ዝተፈረሙ ስምምዓት ንምትግባርን እውን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ፡፡ወኪል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መሰረታዊ ግልጋሎታት ትግራይ ብህፁፅ ንክኽፈቱ መንግስቲ ፌደራል ዝወሰዶ ተበግሶ ንኢዶም፡፡
ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል ምስ ኣመራርሓ መንግሰቲ ትግራይን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረሰብን ዘካየዶ ልዝብ ህዝቢ ትግራይ ትፅቢታቱ ብምግንዛብ ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ወሳኒ ምዃኑ ሚኒስቴር ድኤታ ኮምኒኬሽን ወይዘሮ ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን፡፡


ህዝቢ ትግራይ ብህፁፅ ክኽፈትሉ ዝፅበዮም ግልጋሎታት ምላሽ ንምሃብ መንግስቲ ፌደራል ዝወሰዶ ተበግሶ ዝነኣድ ከምዝኾነን ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ድማ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላም ንኽመፅእ ክንቃለስ ድልዋት ኢና ኢሎም ኣመራርሓ ክልቲኦም ኣካላት፡፡
ብኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበሮ ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመልሰ እንትኾን ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕን ዘላቒ ዝኾነ ሰላም ንኽሰፍንን ቀፀልቲ ልዝባት ከምዝህልዉ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ፡፡
ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል መቐለ ኣትዮም
Next articleዑደት ኣምባሳድራት ኣብ መቐለ