Home ዜና ዘተ ምስ ውጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ

ዘተ ምስ ውጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ

479
0

ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ውጉኣት ሰራዊት ትግራይ ዘሎ መሰረታዊ ሕቶታት ከይመለስካ ዝዕወት ካልኦት ንጥፈታት ልምዓት ሰለዘይህሉ ፀገማት ውጉኣት ኣብ ምፍታሕ ብዕቱብነት ክንስርሕ ኢና ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ነዚ ዝገለፁ ምስ ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ ተራኺቦም እቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ዘለዎም ፀገማት ኣድሂቦም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ እዩ ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ብትብዓትን ጅግንነትን ኣብ ምምካት ዝተወጉኡ ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ዘሎዎም ማሕበራዊ ፀገም ክፍተሐሎም ምስ ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዘትዮም ።

እቶም ዉጉኣት ሰራዊት አብ መዳይ ሕክምና፣ ስርዓት ኣመጋግባን ክዳውንትን ዘለዎም ፀገም ዝገለፁ ኮይኖም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ሕክምና ዝረአ ዘሎ መሰረታዊ ጉድለታት ክመዓራረን ከም ዘለዎ ተዛሪቦም ።

ንዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ ዝመፀ መድሓኒት ሐዚ እዉን እናተሰረቐ ከም ዝወፅእን፣ ብስም ዉጉኣት ዝሽቅጥ ከምዘሎን ዝገለፁ ኮይኖም እዚ ድማ ኣብ ኣመራርሓ ክሳብ እቲ ሰራዊት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ስርሑ ብዝግባእ ክሰርሕን ዘለዎም ጠንቂ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ክፍተሐሎምን ከም ዘለዎም ሕቶኦም ኣቕሪቦም ።

ነቶም ካብ ውጉኣት ሰራዊት ትግራይ ዝተለዓሉ ሕቶታት መልሲ ዝሃቡ ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ናይዞም ኩሎም ፀገማት መበገሲ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ኣካል ስርሑ ብኣግባቡ ካብ ዘይምስራሕ ዝብገስ እዩ ድሕሪ ምባል ጉዳይ ውጉኣት ሰራዊት፣ ስድራ ስውኣትን፣ስውኣትን ከይመለስና ካልኦት ስራሕቲ ምስልሳል መፍትሒ ስለዘይኸዉን ከም ግዚያዊ ምምሕዳር ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሐሉ ዘለና ኣብ ጉዳይ ምፍታሕ ፀገማት ሰራዊትና እዩ ክብሉ ገሊፆም ።

ብፍላይ እቶም ኣብ መድሓኒት ምጥፍፋእን ብኣግባቡ ዘይምሕካምን ዘሎ ጉድለታት ግዘ ዘይዋሃቦም ጉዳያት ስለዝኾኑ ጉሒላታት ነቒስና እነዉፀአሉ ሓበራዊ መድረኽ በቢእዋኑ ክፍጠሩ እዮም ኢሎም ። ኣብዚ መዳይ ግን ኢሎም ፕሬዚዳንት ጌታቸው ብስም ዉጉኣትና ዝሽቅጥ ዝኾነ ይኹን ኣካል ሕጋዊ ስጉምቲ ኽዉሰደሉ እዩ ክብሉ ሓቢሮም ።

ብዮሃንስ ብርሃነ

Previous articleማሕበር ልምዓት ተወለድትን ፈተውትን ጣብያ ጉለ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ጉለ ዝርከቡ ልዕሊ 1100 ተምሃሮ ኣስታት 380 ሽሕ ብር ዝዋግኦም ናውቲ ትምህቲ ሓገዝ ኣበርኪቶም።
Next articleሓገዝ ንዝተፀገማ ደቂኣነስትዮ