Home ዜና ዘተ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ምስ ኣመራርሓ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም

ዘተ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ምስ ኣመራርሓ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም

763
0

ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተወካሊት ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ፋራይ ዚምድዚ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ዘተ ኣሳሊጦም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ወራርን ኩናትን ስዒቡ ህዝብና ግዳይ ሞት፣ስደትን ከርፋሕ ናብራን ከም ዝኾነ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ድማ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ዓዉደ ሕርሻ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሃፍቲ ኮነ ኢሎም ከም ዘዕነውዎ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ህዝቢ ትግራይ ድማ መነባብሮኡ ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ከም ምዃኑ መጠን ፀገም ህዝብና ዝያዳ ከም ዘጋደዶ ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ፀገም ንክወፅእ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሕዉየትን ዳግመ ልምዓትን ዓዉደ ሕርሻ ዓብይ ትኹረት ሂብና ንሰርሓሉ ኣሎና ክብሉ ፕሬዚዳንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ዘሎናሉ ወቕቲ ልዕሊ 98 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ እናሃለወ ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ምባል ማለት ብሕፅረት ምግቢ ዝማስኑ ዘለው ህፃናት፣ ነብሰ-ፁራት፣ተመዛበልቲ ወገናትን ሞት ፍርዲ ምፍራድ ብምዃኑ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለምን ካልኦት ትካላት ተራድኦን እቲ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ክጅምራ ይግባእ ኢሎም ፡፡

ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣብዚ ሐዚ እዋን ጠለብ ዘመናዊ እታወታት ሕርሻ ሓረስታይ ትግራይ ንምምላእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት ዘመናዊ እታወታት ሕርሻ ኣብ ምቕራብን ምሕጋዝን ብምንጣፍ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅያር እጃሙ ከበርክት ከም ዘለዎ ኣይተ ጌታቸው ፀዊዖም፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተወካሊት ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ፋራይ ዚምድዚ እቲ ትካል ኣብ ልምዓት ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምስሳን ምህርቲ፣ ቀረብ ዘመናዊ ድኹዒ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ ሕርሻ፣ ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ ሕክምና እንስሳትን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሓገዘ ከም ዝመፀ ሓቢረን።

ብቐፃልነት ድማ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ ዓዉደ ልምዓት ሕርሻ ትግራይ ዳግም ንምሕዋይን ንምህናፅን ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢለን ፋራይ ዚምድዚ፡፡ እቲ ብፋራይ ዚምድዚ ዝተመረሐ ኣመራርሓ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ህልዉ ናብራ ሓረስታይ ትግራይ ንምዕዛብ ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተዘዋዊሩ ክዕዘብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሃፍታይ ባህረ

Previous articleዑደት ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮጳ ኣብ ትግራይ
Next articleዑደት ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት