Home ዜና ዘንፀላሉ ዘሎ ደመና ሞት

ዘንፀላሉ ዘሎ ደመና ሞት

816
0

ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምፅናትን ንምንብርካክን ዝገብርዎ ዘለዉ ዝተዋደደ ግፍዒ ጀኖሳይድ ብሓድነታዊ ቅልፅምና ክፍታሕ እዩ ክብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተዓቆቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም፡፡

ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውራይ ልምዓት እናሃለወ ግዘ መሪፆምን ተሊሞምን ብልፍንትን መዝረን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክፍፀም እዩ ኢልካ ዘይትሓስቦ ደረት አልቦ ግፍዒ ይፍፅሙ ከምዘለዉ እቶም ተመዛበልቲ ሓቢሮም፡፡እቶም ፋሽስታውያን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝነብር ህዝቢ ዝቅተል ቀቲሎም ነቲ ካብ ሞት ኣምሊጡ ኣብ መዕቆቢ ማእከላት ዝኣተወ ድማ ሓገዝ ብምክልካል ብጥሜት ክፀንት ኮነ ኢሎም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሓገዝ እነተዘይቀሪቡ ኣብ መዕቆቢ ማእኸላት ዘሎ ተመዛባሊ ግዳይ ሞት ከምዝከውን ዝሓበሩ እቶም ተመዛበልቲ ማሕበረ ሰብ ዓለም ህፁፅ ፍታሕ ከቀምጥ ፀዊዖም፡፡ ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ብኩሉ ኣንፈት ከቢቦም ህዝቢ ትግራይ ብጥይትን ጥሜትን ንምፅናት ዝገብርዎ ዘለዉ ዝተዋደደ ግፍዒ ንምምካት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከምዝዕወትን ካብኦም ዝድለ ኩሉ ከምዝገብሩን እቶም ተመዛበልቲ ኣረጋጊፆም፡፡

ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleልምዓት መስኖ ንምክልካል ጥሜት
Next articleግደ ነጋዶ ኣብ ምድሓን ህይወት ወገናት