Home ዜና ዘይልወጥ ቅዋም ህዝቢ ወላይታ

ዘይልወጥ ቅዋም ህዝቢ ወላይታ

987
0

—-

ሕገ-መንግስታዊ ሕቶ ህዝቢ ወላይታ ከይተረጋገፀ ዝዕፀፍ ቃልሲ ከምዘይህልው ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ወላይታ ኣፍሊጡ፡፡

ህዝቢ ወላይታ ብቓልሱ ዘረጋገፆ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተጥሓሰ ዝገለፀ ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ወላይታ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተረጋገፀሉ መሰል ንምዕፋን ዝግበር ምንቅስቓስ ቃልሲ ህዝቢ ወላይታ ናብ ካሊእ ምዕራፍ ከሰጋግሮ ዘገድድ ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ቅድሚ 128 ዓመታት ብወራር ስርዓት ምንሊኽ ብሓይሊ ቅድሚ ምጭፍላቑ ናይ ባዕሉ ምምሕዳራዊ ናፅነት ሓልዩ ይኸይድ ምንባሩ ዘረጋገፀ መግለፂ ውድብ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ወላይታ፤ ህዝቢ ወላይታ ብሓይሊ ተጨፍሊቑ ክሳቐ ድሕሪ ምፅናሕ ንውድቀት ስርዓት ደርጊ ስዒቡ ዝተረጋገፀሉ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ተለኣኣኽቱን ተዓናቒፋ ምህላዉ ሓቢሩ፡፡

ሳላ ብመሪር ቃልሲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝተረጋገፀ ሕገ-መንግስታዊ ምሕደራ፤ ቋንቋን ባህልን ወላይታ ካብ ምጥፋእ ድሒኑ ዓርሰ ምሕደራዊ መሰሉ እናተጠቐመ ምምፅኡ ዘረጋገፀ መግለፂ ውድብ ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ወላይታ፤ እቲ ከጠዓዕሞ ጀሚሩ ዝነበረ ዓርሰ ምሕደራዊ መሰሉ ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ተለኣኣኽቱን ክብርዕን ጀሚሩ ምህላዉ ገሊፁ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዘጣየሾ ፅግዕተኛ ሓይሊ፤ ሕገ-መንግስታዊ ሕቶ ህዝቢ ወላይታ ጓዕፂፁ ብምጭፍላቕ ኢ-ፍትሓዊ መልሲ ንምሃብ ይጓየ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ውድብ፤ ሕቶ ህዝቢ ወላይታ ብመሰረት ሕገ-መንግስታዊ መስርሕ መልሲ ክሳብ ዘይረኸበ ደው ዝብል ቃልሲ ከምዘይህሉን፤ ናብ ካልእ ምዕራፍ ቃልሲ ክሰጋገር ዘገድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

ቃልሲ ህዝቢ ወላይታ ብሕገ-መንግስታዊ መስርሕ ሳላ ዝተመርሐ ህዝቢ ከም ህዝቢ ካብ ጫፍ ጥፍኣት ድሒኑ ምፅንሑን፤ ተረጋገፆም ዝነበሩ መሰላት ኣብዚ እዋን እዚ ይጭፍለቑ ምህላዎም ዘማላኸተ እቲ መግለፂ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ቃልሲ ህዝቢ ወላይታ ካልእ ስያመ ንምሃብን መሪሕነት ተቓለስቱ ንምጥፋእን ዝገብሮ ዘሎ ፈኸራ ደው ኣቢሉ ሕቶ ህዝቢ ወላይታ ሕገ-መንግስታዊ መልሲ ንኽረክብ ብዓል 6 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኡ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ወላይታ ብክልል ተወዲቡ ባህሉን ቋንቋኡን ሓልዩ ምምሕዳራዊ ናፅነት ክምስርት፣ ካብ ባህሉን መንነቱን ወፃኢ ካሊእ መፀውዒ ከይወሃቦ፣ ቀተልቲ ንመሰል ህዝቢ ክቃለሱ ናይ ዝተጨፍጨፉ 38 ኣመራርሓ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝብሉን ካልኦትን መግለፂ ቅዋም ዘውፀአ ውድብ ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ወላይታ፤ ኩሉ ማሕበረሰብ ንወሳናይ ቃልሲ ክዳሎ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጆ ጀኖሳይድ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለመዳይ ቅልውላው ሰማይ ዓሪጉ ምህላዉ ዝተፈላለያ ሚዲያታት ዓለም ይፅብፅባ ኣለዋ፡፡ ነዚ ስዒቡ ዋና ከተማ ክልል ቤንሻንጉል ዝኾነት ከተማ ኣሶሳ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጃ ምህላዋ ቢቢሲ ፀብፂቡ ኣሎ፡፡   

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleግህሰት ሰብኣዊነት ኣብ ኤርትራ
Next articleንፋስ ሰላም ዝዘርጉ ሓንፈሽቲ