Home ዜና  “ዘይሕጋዊ ብር ተስፋሕፊሑ ብምህላዉ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ።“ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ

 “ዘይሕጋዊ ብር ተስፋሕፊሑ ብምህላዉ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ።“ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ

907
0

—–

ኣብ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ማለት እውን ፎርጂድ ብር ተስፋሕፊሑ  ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣፍሊጡ ፡፡

ዛጊድ ልዕሊ 50 ሺሕ ዘይሕጋዊ ብር ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ከምዘሎ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ሕብረተሰብ ነዚ ተገንዚቡ ጥንቃቐ ክገብርን ንኣካላት ፀጥታ ሓበሬታ ክህብን ከምዝግባእ ሓቢሩ ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ብር ተስፋሕፊሑ ከም ዘሎ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣካላት ፀጥታ እታ ክፍለ ከተማ ዛጊድ ብዘካየድዎ ስራሕቲ ቁፅፅር ልዕሊ 50 ሺሕ ዘይሕጋዊ ብር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓለ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ክፍለ ከተማ የማነ ኪዳነማርያም ገሊፆም ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓሉ ኣይተ የማነ ኣፍሊጦም ፡፡

ነዚ ምኽንያት ብምግባር ድማ ሕብረተሰብ ዘይሕጋውን ሕጋውን ብር ናይ ምፍላይን ምርዳእን እንታይ ከምዝመስል ንምሕታት ድማ ነበርቲ ከተማ መቐለ ዘዘራረብና እንትኸውን  ኣብ ነበርቲ ሕፅረት ግንዛበ ከምዘሎ ድማ ተዓዝብና ፡፡

ሕብረተሰብ ነዚ ተገንዚቡ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ የማነ ኪዳነማርያም ኣተሓሳሲቦም ፡፡

#ብበላይ ሽፈራው

Previous articleሓገዝ ንጀጋኑ ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ
Next articleዘተ ኣብ እዋን ስግግር ፍትሒ