Home ማሕበራዊ ዘይብተኽ ታርኻዊ ምትእስሳር ህዝቢታት ትግራይን ዓፋርን

ዘይብተኽ ታርኻዊ ምትእስሳር ህዝቢታት ትግራይን ዓፋርን

1249
0

ህዝቢታት #ትግራይን #ዓፋርን ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዘይብተኽ ታርኻዊ ምትእስሳር ዘለዎ ስጡም ምሕዝነት ከምዘኮነ ተወከልቲ ክልትኦም ህዝቢታት ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ ሓቢሮም፡፡
ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ራያ ዓዘቦን ወጀራትን ዝርከቡ ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ብማሕበራዊን ባህላዊን ጉዳያት ንዘመናት ዝተኣሳሰረ ህዝቢ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም፡፡
እዙይ ከምዚ እንዳሃለወ ብጉጅለ #ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ ተለኣኣኺ ኣወል ኣርባ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ህዝቢታት ዝነበረ ስጡም ምሕዝነት ብምብጥጣስን ደም ንምቅባእ ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ይገብር ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ተወከልቲ ነዚ ዝኸውን ባይታ የለን ክብሉ ኣስምሮምሉ፡፡
ኣብ መንጎና ዘይምርድዳእ እኳ እንተጋጥም ብናይ ባዕልና ዝመሰረትናዮ ኣቦ ገረብ፣ ዓበይቲ ዓዲን ሽማግለታትን ብገረብና ኣቢልና ፀገማትና ብምፍታሕ ምሕዝነትና ኣጠናኺርና መፂና ኢና ኢሎም፡፡
ነዚ ኣብ መንጎና ዘሎ ስጡም #ሓድነት ዘይወሓጠሎምን ንውልቀ ስልጣኖም ጥራሕ ዝግደሱ ፋሽስታውያን ዝፈሓስዎ ሽርሒ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ክብሉ ድማ ሓቢሮም፡፡
ህዝቢታት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመት እውን ብሓባር ተቓልስና ተጠቀምቲ ማሕበረ ቁጠባ ኮይንና ፀንሕና ኢና ዝበሉ እቶም ተወከልቲ ሐዚ እውን ሓባራዊ ፀላኢና ንምድምሳስ ሓቢርና ክንቃለስ ይግባእ ኢሎም፡፡
ብገነት ካሕሳይ
Website

Previous articleዝኽሪ ሰማእታት ነበርቲ ወረዳ ማይቅነጣል
Next articleዕፅዋ መድሓኒት