Home ዜና ዘይተኣደነ ጀኖሳይድ ዛላንበሳ

ዘይተኣደነ ጀኖሳይድ ዛላንበሳ

1584
0

——

ህፃን መብራት ኢሳያስ ትበሃል ። ነባሪት ከተማ #ዘላንበሳ እያ ።ሐዚ ኣብ ከተማ #መቐለ ምስ 7 የሕዋታ ምስ ቤተሰብ ተፀጊዓ ትርከብ ። እዛ ህፃን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ብሸነክ ዘላንበሳ ንትግራይ ኣብ ዝወረርሉ እዋን ኣቦኣን ኣዲኣን ኣብ ቅድሚ ዓይና ብግፍዒ ብጅምላ ዝተቀተልዋ ህፃን  እያ። 

ኣብቲ ካብ ሕዳር 4/2013 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ከተማ ዘላንበሳ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ግፍዒ ዛጊድ እውን ዘይተቀልዐ ጉድ ጀምላዊ ጨፍጫፍ፣ ወራርን ዕንወትን ሃፍቲ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መሰካክር ዓይኒ እቲ እኩይ ተግባር ፀላእቲ መስካሕክሒ ከምዝነበረ ይዘረቡ ።

ዓባይ ሓፍታ ንህፃን መብራት ኢሳያስ ድማ በቲ ዝወረዳ በደልን ወፅዓን ሚሒር ስለዝስምዓን ኣነዋሪ ብምኻኑን ነቲ ዘቅረብናላ ሕቶ ብኣግባቡ ንምግላፅ ተፀጊማ ።

ኣብ ህዝቢ ዘላንበሳ ዝተፈፀመ #ጀኖሳይድ ኣይተዘረበሉን ዝበሉ እዞም ግዳያት ክሳብ ሐዚ ኣብታ ከተማ ዝተፈፀመ ዘይተኣደነ ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ወራርን ዕንወትን ሃፍቲ ኣይተቀልዐን ከምኡ እውን ግዳያት ኣብታ ዝወደቁላ ከምዝገደፍዎም ስድራ ግዳያት ተዛሪቦም ።

ነዚ ኣብ ደቂ ቀሺ ኢሳያስ ሃይለ ወሪዱ ዘሎ ዘይተኣደነ በደልን ግፍዕን ዝተረድኡ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ድማ እቲ በደል ኣነዋሪ ከምዝኾነ ብምሕሳብ ብኮሚቴ ከተማ ዘላንበሳን #ጉለመኸዳን ኣቢሎም ነቶም ብፀላእቲ ደክቲሞም ዘለዉ ህፃውንቲ ልዕሊ 70 ሽሕ ሓገዝ ገይሮሙሎም ። እቲ ምትሕግጋዝ ተጠናኺሩ ክቅፅል ድማ ነቲ ሓገዝ ዘረከቡን ዝተረከቡን ቤተሰብ ፀዊዖም።

ንኣብነት ድኣ ድክትምናን በደልን ደቂ ቀሺ ኢሳያስ ሃይለ ኣልዒልና እምበር ኣብ መላእ ትግራይ ዝተበታተኑን ደኽቲሞም ሓሳረ መከርኦም ዝበልዑ ህፃናት #ትግራይ ቡዙሓት እዮም ። ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ደቂ ትግራይ ዝተፈፀ ገበን ጀኖሳይድ ድማ ናይ ግዜ ጉዳይ ተዘይኮይኑ በደለኛታት ናይ ኢዶም ከምዝረኽቡ ርግፀኛታት ኢና ይብሉ ስድራ እንዳ ኣቦይ ቀሺ ኢሳያስ።

ብሰለሙን በርሀ

Previous articleዝቕፅል ዘሎ ጨፍጫፍ ኢትዮጵያ
Next articleክልከላ ስነ-ስርዓት ሓጂ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ