Home ቆላሕታ ሚድያ ዘይፍትሓዊት ዓለም

ዘይፍትሓዊት ዓለም

904
0

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣንዲ ለቪን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዒታት መስካሕካሕቲ እዮም፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ትግራይ ዘይተቆራረፀ መንገዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኸፍት ግድን እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ብተመሳሳሊ ኣብ ኣሜሪካ ኒውዮርክ ዝመደብሩ ኣማኻሪ ሕጊን ጠበቃን ቮን ባተን ሜንቴጉ ኣሜሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝን ምጥባቅ ሰብኣዊ መሰለን ለጋሲትን ደጋፊትን እያ፤ ኮይኑ ግን ኣብ ኣፍሪካ ክትበፅሕ ከላ ብዛዕባ ሕግታት ሰብኣውነትን ካልኦት ማዕቀባትን ተደናጉይ እያ፤ ናይዚ መርኣያ ድማ ሕዚ ኣብ ዩክሬን ትገብሮ ዘላ ደገፍን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ተርእዮ ዘላ ምድንጋይ ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡፡

ኮይኑ ግና ፍትሒ ክነግስ ይግባእ፣ ፍትሓውነት ክስዕር እዩ ክብል ሪኢቶኡ ሂቡ ኣሎ፡፡በዓልቲ ሞያ ተሓላቂት ኣንፃር ጀኖሳይድ ዝኾነት ኣናስታስያ ላፓቲላ ዓለም ከምቲ ኣብ ዩክሬን ዘርኣየቶ ምትሕብባርን ጅግንነትን 10 ሚእታዊ ኣብ ካልኦት እንተተርኢ ኔራ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስ ሃገር ኣይምተረኸበን ዝብል ሪኢቶ ምስሃበት፤ ተመራማሪት ጀኖሳይድ ዓለም ኮርተኒ ሂሚልተን እወ! ኡግሁሩ፣ ሮሂንጋ፣ ደቂ ትግራይን ባያሜሌንጅን ኩሎም ጅግንነትን ፅንዓትን ጥራሕ እዩ ዘድልዮም፡፡

እዞም ዘተፈፀሙ ጀኖሳይድ ብኣስማት ክጠፍኡ እዮም ክትብል ብምሕጫጭ ፃዓዱ ጥራሕ እዮም ሃፍቲ ዘለዎም ክትብል ንዘይፍትሓዊነት ማሕበረሰብ ዓለም ነቂፋ ኣላ፡፡ብኻልእ ወገን ዲያስፖራ ፋር ዝበሃል ገፅ ዘለዎም ኮንፌደራሊስት ሓይልታት ድማ ሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወገን ሰሜን ዓፋር ኣሕማዴ ኢሊ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሰራዊቱ የውፍር ኣሎ፤ ንህዝቢ ዓፋርን ህዝቢ ትግራይን ናብ ዝገደደ ደም ምፍሳስ ከእቱ ይንቀሳቀስ ኣሎ፤ ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ምንቅስቃስ ወራሪ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ደው ከብሎ ይግባእ ክብል ሪኢቶኡ ሂቡ ኣሎ፡፡ካሳ ሃይለማርያም ብወገኑ ብዛዕባ ዋግ ዋጎ A light at the end of tunnel ይብልዎ ወዮም ዓዲ ድሕሪ ኣዐርዩ ፈታኒ ፀበባ ዝበዝሖ ኩነታት ዝረአ ብርሃን ማለት እዩ፡፡

ኣዮና! መንዲና ንሕና! ዓሚ ዝነበረ ኩነታት እኳስ ሰይርና ስዒርናዮስ ሎሚ ድማ እዚ ከቢድን መሪርን ፀልማት ተቀንጢጡ ንመወዳእታ ክሓልፍ መሬት ትግራይ ክወግሕ ዋግዋጎ ይረአ ኣሎ፡፡ መንግስትናን ሰራዊትናን ኹለመዳይ ዝውገን ወጊኖም፣ ኣፅፊፎምን ኣነፂሮምን ምእንተ ህላወን ድሕንነትን ህዝብና ድልውነቶም ዘረጋግፅሉ ብርኪ በፂሕና ኣሎና ኢሉ፡፡

ንሕና ዳያስፖራ ድማ በቢኣንፈቱ ዝነፍስ ንፋስ ንስምዒትና ከይደረቱና ንኹሉ ተፃብኦታት ንምስዓር ተሰጣጢምና ብፅንዓት ዓቅምና ፀንቂቅና ዝዕመም ኩሉ ክንዓምም ንውፈር! ካብዚ ናይዚ ሰሙን ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይት ዎችን ጀሚርካ ኩሉ መርትዖታት ኣብ ኢድና ኣሎ፤ ንሓቂ ብሓቂ ሒዝና ንፍትሒ ብምቅላስ ንሞት ዝሰዓርና ህዝቢ ስለዝኾንና ብርግፅ ሰዓርቲ ኢና ክብል ዓወት ትግራይ ከምዘይተርፍ ኣመላኺቱ ኣሎ፡፡

ብወያንተ ብዙነህ

Previous articleቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር (ጀኖሳይድ ትግራይ)
Next articleብፋኖ ብጉጅለ ዝተደፈረት ተመዛበልቲ ንእስቲ