Home ዜና ዝለዓለ ሽልማት ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ዝለዓለ ሽልማት ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

1354
0

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ብዩኒቨርሲቲ ኢደንበርግ ተዋሂቦም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዩኒቨርሲቲ ኢደንበርግ ዝለዓለ  ናይ ክብሪ ዶክትሬት ተሸሊሞም፡፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ዩኒቨርሲቲ ኢደንበርግ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እዚ ሽልማት ዘበርከተሎም ኣብ መላእ  ዓለም ብመዳይ ጥዕና ዝነኣድ ውፅኢት ብምምዝጋቦም ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ትዊተር ከምዝገለፅዎ እቲ ሽልማት ንኩሎም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝተበርከተ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ንኹሎም ሰብ ሞያ ጥዕና ዓለም ድማ እንኳዕ ሓጎሰኩም ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ዓለም ካብቲ ሕዚ ዘላቶ ኩነታት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንክትሰጋገር ድማ ከምዝፅዕሩ ሓቢሮም፡፡

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ታሪኽ ውድብ ጥዕና ዓለም ፈላማይ ኣፍሪካዊ መራሒ እንትኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ንካልኣይ ግዜ ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ኮይኖም ንክመርሑ ብዝለዓለ ድምፂ  ከምዝተመረፁ ይዝከር፡፡  

ብገ/ሄር ታደለ

Previous articleኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት
Next articleሓገዝ ግዱሳት ኤርትራውያን