Home ዜና ዝሰመረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምሕያል ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ክነረጋግፅ ኢና ክብሉ...

ዝሰመረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምሕያል ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ክነረጋግፅ ኢና ክብሉ ሰብ ሞያ ጋዜጠኝነት ትግራይ ገሊፆም፡፡

1174
0

ሕዱርን ዘይመትከላዉን ሕልሞም ንምስኻዕ መዝረ ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይዛረየ ጀኖሳይድ ንዝፍፅሙ ዘለዉ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኮኑ ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ብዝሰመረ ሓዲነቱ ተወዲቡ ክቃለሶም ከምዝግባእ ሰብ ሞያ ጋዜጠኝነት ትግራይ ገሊፆም፡፡ እቶም ሰብ ሞያ መንእሰይ ትግራይ ታሪኽን መንነትን ኣያታቱ ብዝግባእ ተረዲኡ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ከረጋግፅን ህላወ ህዝቡ ዉሑስ ኣብ ምግባር ዘካይዶ ዘሎ ቓልሲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ ክብሉ ድማ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ጀኖሳይድ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ታሪኾም እናፈፀምዎ ዝመፁ ድኣምበር ሓዱሽ ከምዘይኾነ ዝገለፁ እቶም ሰብ ሞያ ጋዜጠኝነት ህዝቢ ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ስሙር ቃልስን ዘመዝግቦም ዘሎ ዓወታትን ህላውኡ ከረጋግፅ ከምዝግባእ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡ ብታሪኻዊ ባህጎም ዝይሳነዩን መትከላዊ ርክብ ዘይብሎምን ጉጅለ ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናት ዘራይ ፀዊዖም ዝፍፅምዎ ዘለዉ ገበን ጀኖሳይድ ህዝቢ ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ዝተዋደደ ቃልሲ ከምዝስዕሮም ፈሊጡ ቃልሱ ኣጠናኪሩ ክቕፅለሉ ይግባእ ኢሎም ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ጋዜጠኝነትን ትግራይ፡፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሉኣላውነት ህዝቢ ኤርትራ ነፃነት ኤርትራ ንዘይቕበሉ ገበቲ ሓይሊ ኣምሓራ ኣሕሊፉ ዝሃበን ክሳብ ስልጣኑ ዝጨበጠ ንኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን ንምህጋርን ኣሕሊፉ ንምሻጥን ሰጋእ ዘይብል ዕሉል ከዳዕ ከምዝኾነ ነባራት ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ጋዜጠኝነትን ትግራይ ገሊፆም፡፡ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሃገረ ኤርትራ ንውልቀ ስልጣኑ ክብል ንገበቲ ሓይሊ ኣምሓራ ይሸጣ ከምዘሎ ተረዲኦም ዓዶም ከድሕኑ ከምዝግባእ እዉን ሓቢሮም፡፡

ብኣሸናፊ ዳርጌ

Previous article70 ወገናት ብጥሜትን ስእነት ሕክምናን ሞይቶም
Next articleኣሜሪካ ኲናት ትግራይ ክቕፅል ንዝገብሩ ዘለዉ ሓይልታት ሓዱሽ ማዕቐብ ክተንብር ብሓደ ነባር ዲፕሎማት ኣሜሪካ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡