Home ዜና ዝቐፀለ ተግባራት ምፅራይ ዓሌት ተጋሩ ኣብ ምዕራብ ትግራይ

ዝቐፀለ ተግባራት ምፅራይ ዓሌት ተጋሩ ኣብ ምዕራብ ትግራይ

592
0

ሰበ-ስልጣናትን ሓይልታትን ኣምሓራ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም እውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጽምዎ ዘለው ዓሌት ናይ ምፅራይ ወፍሪ ኣበርቲዖም ቐጺሎምሉ ምህላዎም ዓለምለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ህይማን ራይትስ ዎች ዕላዊ ገይሩ፡

፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ልዕሊ ነዚ ገበን እዚ ዝፈፀሙ ኣካላት ቅልጡፍ ምርመራ ብምክያድ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም ይግባእ ኢሉ፡፡ ዓለምለኻዊ ሕግጋት ከምዘነፅሮ ብሓይሊ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ መሰል ኣለዎም፡ እንተኾነ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ክውንነት ግና ከምኡ ኣይኾነን ይብል እቲ ፀብፃብ፡፡

ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ህይማን ራይትስ ዎች ብ 1 ሰነ 2023 ኣ/ፈ ኣብ ዝዘርገሖ ሓዱሽ ፀብፃብ ካብ መፈለምታ ጀኖሳይዳዊ ወራርን ኩናትን ትግራይ ኣትሒዙ ሓይልታትን ሰበስልጣናትን ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወፍሪ ምፅራይ ዓሌት ተጋሩ ብምክያድ ገበን ኩናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ምፍፃሞም የገንዝብ፡፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝገበሮ ዳህሳስ ድማ ኣብ ምእሳር ምስቓይን ምስጓጉን ተጋሩ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይኖም ዘፈፅሙ ዘለው ድማ ኮለኔል ደመቀ ዘውዱን በላይ ኣያለውን እዮም፡፡

ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2015 ዓ/ም ዝተፈፀመ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብግህዶ ዝፍፀም ዘሎ ሓደ ኣካል ጀኖሳይድ ዝኾነ ምፅራይ ዘርኢ ተጋሩ ደው ከብሎ ኣይካኣለን ዝበላ ምክትል ዳይርክተር ህይማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ላቲሻ ባድር ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ብሓቂ ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡ ድልውነት እንተሃልይዎ ዘይሻራውያን መርመርቲ ናብ ምዕራብ ትግራይ ንከይኣትው ዝገብሮ ዘሎ መሰናኽል ደው ኣቢሉ ገበን ንዝፈፅሙ ሰበስልጣናትን መራሕቲ ወተሃደራትን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ይግበር ኢለን፡፡ኣብ ከተማታት ሑሞራን ራውያንን ብፉሉይ ሓይልታት ኣምሓራን ፋኖን ተኣሲሮም ዝርከቡ ትግራዎት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው ዘዘኻኸረ እቲ ፀብፃብ ብፍላይ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ኣ/ፈ ን70 ነበርትን ኡስራትን ሑመራ ብሓይሊ ካብ መገዛእ ዓዶም ከምዘባረርዎም የነፅር፡፡

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ኣ/ፈ ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዓሪዶም ዝርከቡ ምልሻ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝርካቦም ተጋሩ እዚ መሬት ኣምሓራ እዩ እናበሉ የጉባዕብዑሎም ከምዘለውን ካብ ካልእ ከባቢታት ኣምሓራ እናምፅኡ ድማ ሰፈርቲ የንብሩሉ ኣለው ይብል ህይማን ራይትስ ዎች ካብ ግዳያት ብቴሌፎን ንዝረኸቦ ሓበሬታ ብምውካስ፡፡

ብዙሓት ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ተስፋ ሰኒቖም እኳ እንተሃለው ክሳብ ሕዚ ግና ገበን ዝፈፀሙ ሰበስልጣናትን ሓይልታትን ኣምሓራ ስለዘይወፁ ውሕስነት ከምዘይስምዖም ዘዛራረብክዎም ተመዛበልቲ ገሊፆምለይ ይብል ህይማን ራይትስ ዎች፡፡ ቃለመሕተት ዝተገብረሎም ትግራዎት ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ድሌት ከምዘለዎም ይገልፁ፡፡

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈፀመ ኩለመዳያዊ ገበን ዝተሳተፉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣናትን ኣካላትን ክሕተቱን ፍርዶም ክረኽቡን ይግባእ ድማ ኢሎም፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ድማ ጀኖሳይዳዉያን ሓይልታት ኣምሓራን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ከምዚ ዓይነት በደልን ግፍዕን ጠጠዉ ከብልዎን ዳግም ንከይድገም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዮም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መስከረም 2022 ኣ/ፈ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣቢሉ ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዘፃሪ ሓይሊ ዕማም ከምዘጣየሸ ብዕሊ እኳ እንተተዛረበ ዛጊድ ግና ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን፣ናብ ፍርዲ ዘቕረቦ ተሓታቲ እውን የለን ኢሉ እቲ ፀብፃብ፡፡ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ነጊሱ ፍትሒ ክረጋገፅ እንድሕር ተደልዩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕርበት ክሰርሓ ህንጥዩነት ዘለወን ሃገራት ግዳያት ካብ ምፃብፃብ ወፅኤን ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣናት ኢትዮጵያ ፀቕጢ ብምፍጣር ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ ባይታ ክጣጣሕ ክፅዓ ኣለወን ተባሂሉ፡፡

ፀጋይ መኮነን

Previous articleኣብ ከተማ መቐለ ንልዕላ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ሰብ ክፈትሕ ትፅቢት ዝግበሮ ዘመናዊ ሪልስቴት ክህነፅ ሰነድ ተፈሪሙ።
Next articleጠለብ ዘበናዊ እታወታት ሕርሻ ሓረስቶት ማይቅነጣል