Home ዜና ዝቐፀለ ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

ዝቐፀለ ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

1413
0

ኣብ ሩባ ተከዘ  ብዘስካሕክኽ ኩነታት ዝተቀተለ ሬሳ ኣብ ገማግም ሩባ ተከዘ ተረኺቡ፡፡ እቲ ሬሳ ድማ ብሓዊ ዝተቃፀለ ምኻኑ ካብ ሱዳን ወደል ዒሎ ዝተረኸበ መረዳእታ ጠቂሱ ቲኤምኤች ሓቢሩ፡፡

ብወያንተ ብዙነህ

ፋሽስታዊ ጉጅለ  ኣብይ ኣሕመድ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ጀኖሳይድ ብምቅፃል ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብግፍዒ መቅተልቲ ቀፂለምሉ ኣለዉ፡፡

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝቐፀለ ጀኖሳይድ ኣብ ሩባ ተከዘ ሱዳን ብዘስካሕክሕ ኩነታት ዝተቀተለ ሬሳ ኣብ ገማግም ሩባ ተከዘ ሱዳናውያን ሩባ ሰቲት እንዳበሉ ኣብ ዘፅወዕዎ ገማግም ሩባ ተከዘ ተረኺቡ፡፡ እቲ ሬሳ ድማ ብሓዊ ዝተቃፀለ ምኳኑ ካብ ሱዳን ወደል ዒሎ ዝተረኸበ መረዳእታ ቲኤምኤች ሓቢሩ ኣሎ፡፡

እዞም ብፋሽስታውያን፣ ገበቲ ሓይልታን ወራሪ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናትን ንካልኦት እውን ደወ ከምዘየበሉ መርኣያ እዩ፣፣

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክረምቲ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሑመራ ደቂ ትግራይ ብግፍዒ እንዳተቀተሉ ናብ ሩባ ይድርበዩ ምንባሮም ብጋዜጠኛ ሲኤንኤን  ንዓማ ኤልባጋድር ተመሳሰሊ ፅንተትን ጅምላዊ ቅትለትን ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተፈፀመ ዘርእይ ፀብፃብ  ንህዝቢ ዓለም ዕላዊ ከምዘገበረት ይዝከር፡፡

በዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም መሊኡ ዝፈሰሰ መረዳእታ ዓለም ለኸ ሚድያታትን መርትዖ ጀኖሳይድ  ዋላኳ እንተሃለዎ ክሳብ ሕዚ ንጀኖሳይድ ትግራይ ብሽሙ ከፅውዕዎ ኣይከኣሉን ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡፡

Previous article  ባህሊ ምትሕግጋዝ
Next articleፃዊዒት ፀሎተ ምህለላን ፆመ ሱባኤን ትግራይ