Home ዜና ዝቕፅል ዘሎ መኸተ ሰለስተ

ዝቕፅል ዘሎ መኸተ ሰለስተ

1395
0

—-

ኣካል መኸተ ሰለስተ ዝኾነ ፌስቲቫል ዲያስፖራ ትግራይ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮፓ ብድሙቕ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ኣታዊኡ ንመኸተ ትግራይ ዝኾነ ፌስቲቫል ዲያስፖራ ትግራይ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ጀኖሳይድ ኣብ ምቅላዕን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምጥንኻርን ዝለዓለ ግደ ይፃወት ኣሎ፡፡

ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ኣውሮፓ ኣብ ስዊዲን ከተማ ስቶኮልም ተኣኻኺቦም ኣብ ዘሳለጥዎ ፌስቲቫል፤ ንምጥንኻር ሓድነት ዲያስፖራ ትግራይን ሙሉእ ንሙሉእ ንመኸተ ሰለስተ ዝኾነ ኣታዊ ኣብ ምትእኽኻብን ዝለዓለ ግደ ይፃወት ኣሎ፡፡

ፌስቲቫል ዲያስፖራ ትግራይ ኣውሮፓ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ጀኖሳይድ ተወዲቦም ኣብ ምቅላዕን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምምኽኻርን ሓጋዛይ ምዃኑ ዝገለፁ መተሓበበርቲ ኮሚቴ፤ ኣብ እዋን ሰላም ይኹን ኣብ መፀገሚ ኩነታት ሓድነት ትግራይ ወሳናይ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ስፖርታዊ ውድድር ሓዊሱ ኣብ ወፃኢ ዝተወለዱ መናእሰይ ትግራይ ዓዶምን ምስ ካልኦት ኣሕዋቶምን ዝፋለጥሉ ኮይኑ ዝተሳለጠ ፌስቲቫል ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ስቶክሆልም፤ ምስ ተወከልቲ መንግስቲ ትግራይ ዘራኸበ ዘተ ፓናል እውን ኣሳሊጦም፡፡

ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ እንግሊዝ እውን ብተመሳሳሊ፤ኣብ ከተማ ለንደን ድሙቕ ፌስቲቫል ዘካየዱ ኮይኖም፤ ኣታዊኡ ንመኸተ ሰለስተ ዝውዕል እቶት ናይ ምትእኽኻብ ዕውት ስራሕቲ ከም ዝፈፀሙ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣህጉራትን ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ጀኖሳይድ ካብ ዝእውጁ ኣትሒዞም ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ኮይኖም፤ ሰለስተ ምዕራፋት መኸተ ይፍፅሙ ምህላዎም ተፈሊጡ፡፡

ገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleፋሽስቱ የአብይ ቡድን ባኖረው ከበባና ክልከላ 30.000 በላይ  የቤት እንስሳት በህክምና እጦት እንደሞቱ የትግራይ ግብርና  ቢሮ አስታወቀ፡፡
Next articleዝተቋረፀ ክትባት ቫይረስ ኮረና ኣብ ትግራይ