Home ዜና ዝተቋረፀ ክትባት ቫይረስ ኮረና ኣብ ትግራይ

ዝተቋረፀ ክትባት ቫይረስ ኮረና ኣብ ትግራይ

974
0

ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለምን ዪኒሴፍን ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ካብ 4 ሓምለ 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ን15 መዓልትታት ክወሃብ ዝፀንሐ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ንልዕሊ 170 ሽሕ ወገናት ክትባት ቫይረስ ኮረና ከም ዝተውሃበ ም/ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና  ትግራይ ዶክተር ርእየ ኢሳያስ ተዛሪቦም።

እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተውሃበ ክትባት ብምክንያት ዕፅዋን ክባን ብሰንኪ ስእነት ነዳዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ክታበት ቫይረስ ኮረና ክወሃብ ከም ዘይከኣለ ዶክተር ርእየ ገሊፆም።

ካልኣይ ዙር ክትባት ቫይረስ ኮረና ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ  ጣብያታት ጥዕናን ካልኦትን ብስሩዕ ክትባት ከም ዝወሃብ ዝገለፁ ዶክተር ርእየ ኩሉ ሕብረተሰብ ዘለው ኣሉታዊ ዝንባለታት ብምፍታሕ  መከላከሊ ቫይረስ ኮረና ተግባራዊ ብምግባር እዚ ክትባት ክወስድ ከሞ ዘለዎ ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ብስእነት ክታበት ቫይረስ  ኮረና ብርክት ዝበለ ህዝቢ ንሞትን ሕማምን እናተቃለዐ ይርከብ።

ብሃፍታይ ባህረ

Previous articleዝቕፅል ዘሎ መኸተ ሰለስተ
Next article3ይ ዙር መኸተ ፖርት ሱዳን